ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ጉጅለ ህግደፍ ንኣስታት 18 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣሲርዎም ዝጸንሐ 13 ዜጋታት ምፍትሑ ዘተባብዕ ምዕባለ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዘይፍርዲ ተቐይዶም ዘለዉ ልዕሊ 10 ሽሕ ዜጋታት ክፍትሑ ጻውዒት ኣቅሪቡ።
እቲ ብ15 ታሕሳስ ዝወጸ መግለጺ ውድብ ሑቡራት ሃገራት፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ መቝሕ ሓይርዎም ንዝርከብ ሰበስልጣናት ጕጅለ 15 ሓዊሱ፡ ንኵሎም ብዘይፍርዲ ኣብ መላእ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዳጒንዎም ዝርከብ እሱራት ብዘይቅድመ-ዅነት ክፍትሕ ንጽውዕ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይዝኮነ ፍርዲ ተጨውዮም ዝተሓየሩ ልዕሊ 10ሽሕ ዜጋታት ምህላዎም ውን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ተጨውዮም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ዝጠቐሰ UN፡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን ተማሃሮ፡ ሰጋዶን ናይ እምነት ሕዩራትን ምህላዎም ብምጥቃስ”ዩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምሕረት ክገብረሎም ዝጽውዕ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነጋዶ፡ ሰበስልጣን ፖሊስን ሞያውያንን ዝርከቡዎም 13 እሱራት፡ ንኣስታት18 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ማይስርዋ መቚሑዎም ድሕሪ ምጽናሕ ብ4 ታሕሳስ ከም ዝፈትሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ን18 ዓመታት ዘእሰሮም ምኽንያት ከይተነግሮም፡ ብዘይዝኮነ ሕጋዊ መስርሕን ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መቃን ግዜን፡ ዕድሚኦም ሰሪቁ ከምዘፋነዎም”ዩ ዝፍለጥ።
ብ1993 ዝተመስረተ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንዅነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ካብ 2012 ኣትሒዙ ስርሑ ካብ ዝጅምር ንንየው፡ ጉጅለ ህግደፍ መጭወይቲ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ስግረዶባዊ ምጽንጻንን ካልእ ተግባራትን ደው ከተብል ተደጋጋሚ ግዜ ጻውዒት ከቕርበሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ትማሊ ዝወጸ ጻውዒት ምፍታሕ እሱራት ውን ኣካል ናይቲ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ክቀርብሉ ዝጸንሐ ክስታት ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር፡ ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ ምንባሩ ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣህጉራዊ ግዴታታት ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ንኸተተግብር፡ ምስ ሰበስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ብቅርበት ንምስራሕ ድሉው ምኳኑ”ኳ እንተገለጸ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ብዝሓየለ መልክዑ ይቅጽል ምህላዉ”ዩ ዝተፈላለየ ዓለማዊ ጸብጻባት ዘመልክት።
ጉጅለ ህግደፍ ብዘይካ እዞም 13 እሱራት፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ ውን ብተመሳሳሊ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 98 ሰዓብቲ ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያን ከም ዝፈትሐ፡ ክገልጽ ምቅናዩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ሲኢንዎ ዘሎ ኩለንተናዊ ደገፍ ንምምላስን፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝገጥሞ ዘሎ ተነጽሎታት ንምስዓርን፡ ከም ገባሪ ሰናይ ክውሰድ ይፍትን ወላ ዳኣ ይሃሉ እምበር፡ ኩነታት እታ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ህግደፍ ገና ካብ ተነጽሎ ክናገፍ ዘይምኽኣሉ”ዩ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘረጋግጽ።
ሓያሎ ካብቶም ዝተፈትሑ 98 ጭዉያት እሱራት፡ ንኣስታት 5 ዓመት ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ብዘይ ዝኮነ ሕጋዊ ክስን ንቡር መስርሕ ቤትፍርድን ተጨውዮም ተቐይዶም ምጽንሖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመሉ ገበናቶም ከይነገረ፡ ፍርዶም ሕጋዊ መስርሕ ከየልበሰ ኪዱ ገዛኩም ኢሉ ከምዘፋነቆም”ዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዘይካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊኽን ከኒሻን ካልኦት ሃይማኖታውያን ቤት እምነታት ክዕጸዋን እምነታዊ ንጥፈታት ከየካይዳን፡ ኣብ 2002 ውሳነ ምሕላፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 13 ዓመታት ጥራሕ ውልቃዊ እምነቶም ምኽንያት ብምግባር ኣሲሩ ናይ ዘሕቀቆም ዜጋታት ቁጽሪ ብኣማኢት ኣሽሓት ከምዝትመን”ዩ በብእዋኑ ዝወጽእ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ምስ ምፍታሕ እዞም ኣመንቲ፡ ብርክት ዝበላ ስድራቤታትን ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰል ሃይማኖትን፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ተስፋ ኣሕዲሮም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ፓስተር ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ፡ ፓስተር ሚልዮን ገብረስላሰን ፓስተር ኪዳነ ወልዱን፡ ምስ እምነት ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ካብ ዝእሰሩ 20 ዓመታት ዓሊፉ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ እትርከብ ፍልጥቲ ማእከል ‘ሕፍዚ ቍርኣን’ ሃንደበት ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ኣካያዲ እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባን ተጨውዮም፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣበይ ምህላዎም ከምዘይፍለጥ ኣብ ግዚኡ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ህግደፍ ምስዚ ጉዳይ ብምትሕሓዝ ዝጨወዮም ስድራቤታት ውን ሃለዋቶም ንጹር ዘይምኳኑ’ዮም ናይ ቀረባ መቅርቦም ዝገልጹ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ ምኒስትሪ ፍትሒ ዘይፈልጦ፡ ከም ማይስሩዋ፡ ዓዲኣቤቶ፡ ኣዳርሰር፡ ሓሽፈራይ፡ ፕሪማካንትሪ፡ መትከል ኣብዮት፡ ዊዓ፡ ዓላ፡ ማይድማ፡ ዒራዒሮ ዛኣመሰለ ህልቂት ዜጋታት ዝፍጸመሉ መዳጎኒ ናይ ጭውያ ማእከላት ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ቤት መሓዩር ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ብኸቢድ ስቃይን ሕማምን ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኮይኖም ምህላዎም’ኢዮም ብርክት ዝበሉ ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ዝገልጹ።