ንዝሓለፈ ኣስታት 35 ዓመታት ብዝተኸተሎ ናይ ጥፋኣት ፖሊሲ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ኣባጓይላ ኲናት ዝፍለጥ ውልቀመላኣኺ ኢሰያስ፡ ምስ ወራሲ ዓራት ሱዕዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ሒሚቲ ዝምራሕ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዳዕመል”ሰሪዕ ንቐጠናዊ ርጋኣት ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓን ይዘርግ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቐመላኺ ኢሰያስ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ናይ ሱዕዲ ዓረብ ዑደቱ ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኮይኑ፡ ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ሒሚቲ ዝምራሕ ሓይሊ ቅልጡፍ ዝደገፍ RSF ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት እልቢ ዘይብሉ ኣጽዋር እንዳተቀበለ፡ ቀጠናዊ ርጋኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምህዋኽን፡ ሰላም እዚ ዞባ ኣብ ምርባሽን ይዋሳእ ኣሎ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ንሓይልታት ፋኖን ኦላን ህወሓትን ኩለንተናዊ ደገፍ ብምግባር ኢትዮጵያ ንምህዋክ ዝሰርሕ ዘሎ ውልቀመላኺ፡ ተሓላቂ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓ ኮይኑ ክቀርብ ምፍታኑ ንባዕሉ ትዕዝብቲ ምፍጣሩ”ዩ ዝንገር።
ዳዕመል ሰሪዕ፡ ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ ደገፋት እንዳተገብረሉ፡ ንጹሃን ዜጋታት ኣብ ምቅታል፡ ዓዲታት ኣብ ምቅጻል፡ ሰላም ሱዳን ኣብ ምዝራግን ቀጠናዊ ርጋኣት ኣብ ምሕማስን ምህላዉ፡ ንወራሲ ዓራት ሱዕዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝገለጸ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ልዕሊ 365 ቤትማእሰርቲ ንዝሳቀዩ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ገዲፉ፡ ብጉዳይ ቀጠናዊ ሰላም ክጭነቅ ምፍታኑ ንባዕሉ ኣዝዩ ኣገራሚ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ምስ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ማእከል ሱዳን ክዋጉኡ ኣብ ምግባር ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ኣልፋሽር ብዕጡቃት ዳዕመል ሰሪሕ ዝተፈጸመ ገበናት፡ ንጉዳይ ሱዳን ብማዕዶ ክዕዘቦ ከምዘይኮነ፡ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ መሓውራቱ ኣቢሉ ኣብ ምግላጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናብ ሱዕዲ ዓረብ ዘገሾ ቀንዲ ምክንያት ውን፡ ብጉዳይ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመኻኒካ ንናይ ሱዳን ዳዕመልሰሪዕን ሰልፊ ብልጽግናን ኢትዮጵያን ንምውጋድ ኣብ ዝሓበረ ኣሰላልፋ ኣመልኪቱ ክመክር እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣጀንዱኡ ከምዘይኮነ ኣቀዲምና ምግላጽና ኣይርሳዕን።