ሽወደን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ንምዝታይ ናብ ኤርትራ ሉኡኽ ምስዳዳን፡ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ውን ምስ ሰበስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ተራኺባ ምዝታያን ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ሎሚ ብዛዕባ’ቲ ናይ ኤርትራ ዝተገብረ ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ክህሉ ዝኽእልን ዝምድናን ኣመልኪቱ ሪኢቶ ከምዝሃበ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብቅድሚ ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወት ሚኒስተር ማሪያ ማልመር ስተነርጋረድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ተራኺባ ምዝታያን ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዑስማን ሳልሕ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ “ምዕባለታት ዞባ” ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን “ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ” ከምዝተዘራረቡ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ዝሓበራ ኮይነን፡ ድሕሪ”ዚ ምብጻሕ እዚ፡ ሚኒስተር ማሪያ ማልመር ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደት ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ሽወደን ኮይና ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ማሪያ ማልመርን ዑስማን ሳልሕን፡ ብዛዕባ “ክልተኣዊ ዝምድናታታት ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ፡ ኣብ ከተማ ብራስለስ ቤልጁም ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓያለ ዞባዊ ጉዳያትን ኣገደስቲ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣለዉ፡ ኩሎም ከኣ ክዝረበሎም እዩ” ዝበለ ኮይኑ፡ ጉዳይ ናይቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዘሎ ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ውን፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ምኳኑ”ዩ ብቃሉ ኣረጋጊጹ ዝርከብ።
ሽወደን ንማእሰርቲ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቅ ካብ ዕለተ ማእሰርቱ ኣትሒዛ ክትሓተሉ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተበጊሱ ዘሎ ርክብ ውን፡ ንኩነታት ዳዊት ኢሳቅ ኣብ ግምት ዘእተወ ምኳኑ፡ “እወ፡ ብርግጽ” ዝብል ቃላት ተጠቂሙ ቀዳማይ ሚኒስተር መረጋገጺ ምሃቡ”ዩ፡ መንግስታዊ ራድዮ ሽወደንን፡ ኣፍቶን-ብላደት ዝተባህለ ማዕከን ዜናን ዝሕብሩ።፡