ኣብ ዞባ ደቡብ ኑኡስ ዞባ ጾሮና ምምሕዳር ሎጎ ሳርዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምህርቲ ዝበጽሐ ዘራእቲ ብዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ፡ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን፡ ጉጅለ ህግደፍ ወግዓዊ ሸፈነ ክህቦ ከምዘይመረጸን፡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ኣብ ኑኡስ ዞባ ጸሮና ምምሕዳር ሎጎ ሳርዳ፡ ዓደበኖ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ገጠር ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብሓደ ንእስቶ ጓሳ ዝተወለዐ ምንባሩ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ናይ 9 ሓረስቶት ምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሃሞኸን፡ ነቲ ህጻን ዝቀየደ ጉጅለ ህግደፍ ሸፈነ ክህቦ ስለዘይመረጸ ግን ከምዘይተሰምዐ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
እቲ ንእሽተይ ጓሳ ብዝፈጸሞ ጌጋ፡ ኣብ ልዕኪ”ቲ ኣብ ምህርቲ ዝበጽሐ ዘራእቲ፡ ብርቱዕ ባርዕ ሓዊ ምውልዑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብምርብራብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክሳብ ዛኣቱ ጥራሕ፡ ናይ ትሽዓተ ሓረስቶት እቶት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሃሞኸ”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ድሕሪ”ቲ ፍጻመ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ጓስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተወ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ፍጻመ ዝኮነ ይኩን ሽፋን ክህቦ ብዘይምምራጹ፡ ከምዘይተሰምዐ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ሰኣን ምስትውዓል እምበር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ስለዘይነበረ ግን፡ ብድላይ ግራቶም ዝተሃሞኸ ትሽዓተ ገባራትካብ እስርቤት ከምዝወጸ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።