ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርያ ማልሞ ስቴነርጋርድ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ከተማ ኣስመራ ብምብጻሕ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተዛትያ ድሕሪ ምምላሳ፡ ክልቲኤን ደቂ ዳዊት ኢሳቅ መግለጺ ከምዝሃባን፡ ኣብ ጉዳይ ወላዲኤን መልሲ ይደልያ ምህላወንን the edelstam faundation ዝተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ዑደት መንግስቲ ሽወደን ኣብ ኤርትራ፡ ሽወደን ንኤርትራ ሃገር ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ካብ እትህብ ንደሓር፡ ወኪል መንግስቲ ሽወደን ናብ ኤርትራ ዝገብሮ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ እቲ ዑደት ምስ ምፍታሕ እሱራት ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ውን”ዩ ጢቂሱ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ንዑደት መንግስቲ ሽወደን ናብ ኤርትራ፡ ኣብ ክልታኣዊ ሽርክነት ዝተመርኮሰ ናይ ምድግጋፍ ምብጻሕ ምንባሩ፡ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ ምሓውራቱ ኣቢሉ እኳ እንተገለጸ፡ መንግስቲ ሽወደን ብ6 ታሕሳስ ንዝተፈትሑ 13 እሱራትን፡ ቀጺሎም ንዝተፈትሑ 89 ኣባላት ናይ እምነት እሱራትን ስዒቡ፡ ንኩነታት ዳዊት ኢሳቅ ብቅርበት ምሕታቱ”ዩ እቲ ማዕከን ሓበሬታ ዝገልጽ።
ድሕሪ ምምላስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርያ ማልሞ ስቴነርጋርድ፡ ክልቲኤን ደቂ ዳዊት ኢሳቕ ዝኮና ቤተልሄም ኢሳቅን፡ ዳናይት ኢሳቕን፡ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃባ ዝገለጸ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ወላዲኤን ብቅርበት ክሰርሕ ምምራጹ ምስጋና ከምዘቅረባ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ክልቲኤን ደቂ ዳዊት ኢሳቅ ኣብ መግለጺኤን፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርያ ማልሞ ስቴነርጋርድ፡ እንቋዕ ብደሓን ካብ ኤርትራ መጻእኪ ዝብል መልእኽቲ ዘሕለፋ ኮይነን፡ መንግስቲ ሽወደን ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርያ ማልሞ ስቴነርጋርድ ኣቢሉ: ኣብ ጉዳይ ኣቦና ዳዊት ኢሳቅ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክዋሳእ ምጅማሩ፡ ዓቢ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምኳኑ”የን ዝገልጻ።
ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ከም ዝኽእል፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን መረጋገጺ ከም ዝረኸበ ኣይንጠራጠርን ዝበለ መግለጺ ደቂ ዳዊት ኢሳቅ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ 25 መስከረም ኣቦና ንክፍታሕ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝቀረበ ሕቶ መልሲ ከምዘይሃበሉን፡ ኩነተ ህላወ ኣቡአን ንምፍላጥ ውን ከምዘይከኣላን፡ ብሂወት ምህላዉ ውን ከምዘየረጋገጻን”የን ዝገልጻ።
ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ኣብ 2001 ብጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝጭወ ንደሓር፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 24 ዓመታት ዝኮነ ይኩን ሃለዋት ከምዘይብሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቅ ኣብ ምሕታት ዝጸንሐ መንግስቲ ሽወደን፡ ድሕሪ ናይ ክልተ እብረ ምፍታሕ እሱራት ኣብ ኤርትራ፡ ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቅ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብቀጥታ ንምዝርራብ ናብ ኣስመራ ሉኡኽ ምስዳዱ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።