ውድብ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት ነዳድን፡ ንሱ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቀውስን ከም ምኽንያይ ብምጥቃስ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ “ሓድሽ ከበባ” ተከርዲና ምህላዋን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከበባ ምእዋጁን ከሲሱ።
ውድብ ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ፌደራል ንዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዛኣቱ ቀረብ ነዳዲ ብምድራቱ፡ ኣብ መጓዓዝያ፡ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ግልጋሎትን ዕንቅፋት ይፈጥር ምህላዉ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ተግባራት መንግስቲ ፈደራል፡ ንኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስግኣት ከምዝፈጥር”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብቲ ብቅድሚ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ ህወሓት፡ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ንኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ማይን ጽሬትን ሓዊስካ፡ ስርሓት መንግስቲ ብምዕንቃፍ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ዘይክፈልሉ ኩነታት ይፈጥር ምህላዉ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ዚ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ትሕቲ ሱር ኮንስትራክሽን ናይ ዝምእከላ ኩባንያታት ባንኪ ሕሳብ ከምዝዕጾ ምግባሩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ብዘይ ደሞዝ ክተርፉ፡ ስራሕ ክጎናደብን ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝግልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀረብ ነዳዲ ክልል ትግራይ ብኸቢድ ካብ ዝድርት፡ ዳርጋ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ’ሎ ዝበለ ህወሓት፡ እዚ ድማ ንህጹጽ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ህጹጽ ናይ ጽዕነትን መጓዓዝያ፡ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከቢድ ጸገማት ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ድሕሪ መግለጺ ህወሓት መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ባንክ ሕሳብ 22 ትካላት ሱር ኮንስትራክሽን፡ ናይ ምጽራይ መስርሕ ንምክያድ ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ ከምዘልዓሎን፡ ናብ ኩለን ባንክታት ደብዳበ ብምልኣኽ እገዳ ከምዝተላዕለ ከምዘፍለጠን፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገሊጹ።