ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ከቢድ ጥሜትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ሂወትን ወዲቑ፡ ብከቢድ ሕሰም ይሳቀልቐ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ንምስላብ ጥራሕ፡ ትግራይ ወደብ ባጽዕ ክትጥቀም”ያ ዝብል ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወጽዓ ህዝቢ ትግራይ እንዳረኣየ ከስቅጥ ምምራጹ፡ ዕላማ ናይቲ ጉጅለ እንታይ ምኳኑን፡ ንምንታይ ዕላማ ይመባጻዕ ምንባሩን ዘረድእ ምኳኑ ተገሊጹ።
ብውዕል ፕሪቶርያ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝተሰጎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ምፍጣጥ ብምእታዉ፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሓይሊ ህወሓትን፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ዕጡቅ ሓይሊ ፋኖን ከም መጋበርያ ተጠቒሙ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ንምሓዝ ምብጋሱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ፖለቲካ ጽምዶ ንከይዕወት ብህዝቢ ትግራይ ንዝገጠሞ ብድሆታት ክሰግር፡ ወደብ ባጽዕ ንህዝቢ ትግራይ ክፉት ምኳኑ ክነግር ዘይጸንሐ፡ ኣብ ጸገምን ስቃይን ህዝቢ ትግራይ ዝኮነ ነገር ክገብር ዘይምኽኣሉ፡ ዕላማ ናይቲ ጉጅለ ምዕዋት ፖለቲካዊ ተልእኾ ጥራሕ ምኳኑ ክትርዳእ ዝገብር”ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኢትዮጵያ ንከይትበታተን ተሰኪፉ፡ 44 ክፍለሰራዊት ሒዙ ናብ ትግራይ ብምእታው፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ክጠፍእ ድሕሪ ምግባሩ፡ ከይደንጎየ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ይሰርሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዕላማ ህግደፍ ንምዕዋት ቀዳማይ በጃ ክኸውን ዝተመርጸ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይ መዐሸዊ መብጽዓ ብረዲኤት ወደብ ባጽዕ መብጽዓ ክረክብ ከምዘይጸንሐ፡ ጥሜትን ሽግርን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝከበደሉ ግዜ ህግደፍ ከስቅጥ ምምራጹ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጽምዶ ጥፋኣት እንበር መኽሰብ ክረክብ ንኸይጽበ ዝነግር ምልክት ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ፡ ካብ ሕሞራን ወልቃይት ተፈናቂሉ ካብ ዝመጽእ ንንየው፡ ኣብ ዳሳት ኣጽሊሉ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታት ይነብር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሕጻጽ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ልዕሊ 16ሽሕ ተፈናቀልቲ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ናይ ሞትን ሂወትን ኩነታት በጺሖም ምህላዉም ዝግለጽ እኳ እንተኮነ፡ ጥይትን ቡንባን ኣብ ምቅባል ዘይሓምቅ ጉጅለ ህግደፍ ግን ንህዝቢ ትግራይ ሓንቲ መሸማዕ እኽሊ ከብጽሓሉ ዘይምኽኣሉ፡ ጽምዶ ኣብ ጥይት እምበር ኣብ እኽሊ ዝሰርሕ ዕላማ ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ’ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝወረደ ኣደራዕ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስቲ ገበነኛ ስርዓት ዝግበር ኩሉ ዓይነት ሽርክነት ቅቡልነት ከምዘይብሉ ክገልጽን ተቓውሙኡ ከስምዕን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዘይ ትግራይ ዕላሙኡ ክወቅዕ ከምዘይኮነ ዝፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ትግራይ ንምድንጋርን ቅቡልነት ፖለቲካ ጽምዶ ንምርጋጽን፡ ረዲኤት ክንህበካ ኢና ዝብል ዓቢ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቃላት ክጥቀምን፡ ህዝቢ ከደናግርን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ንገዛእ ህዝቡ እኳ ዘይሓስብ ኣረሜናዊ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ክድንግጸሉ ተፈጥሮኣዊ መንነቱ ከምዘየፍቅደሉ፡ ኣብ ትግራይ ተከሲቱ ዘሎ ጸገም ዓቢ ምስክር”ዩ።
ኣብ ጥቅምን ረብሓን ጉጅለ ህግደፍን ውድብ ህወሓትን ዝንተመስረተ “ጽምዶ” ኣብ ፖከቲካዊ ዕላማ ብምውጻእ፡ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ ምኳኑ ብምጥቃስ ዳሳት ተኺሉ ህዝቢ ክቅሽሽ ዝፍትን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ገዲፉ ንኩሎም ዕጡቃት ሓይልታት ኢትዮጵያ ናይ ኣጽዋር ደገፍ ይገብር ምህላዉ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ትግራይ ሕጂ ውን ኣጸቢቁ ንኽመሃርን፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ካብ ዘይብሉን ንገዛእ ህዝቡ ዝበተነን ጉጅለ ህግደፍ፡ ንትግራይ ሓደጋ እምበር መፍትሒ ክትረክብ ከምዘይኮነት ክርዳእን ዝጽውዕ’ዩ።