ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ልኡኽ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝገሸን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝዘተየን ተገሊጹ።
እቲ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ሉኡኽ፡ ንሓፈሻዊ ጉዳያት ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተበገሰ፡ ካብ ቤትጽሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝነበረ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መፍትሒ ክግበረሉ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም”ዩ ዘረድእ።
እቲ ጠጠው ኢሉ ዝጸነሐ ባጀት፡ መንግስቲ ክልል ብሓደራ ዘመሓድሮ ካፒታል ባጀት ተባሂሉ ዝጽዋዕ 844 ሚልዮን፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ በብወርሑ ናብ ካዝና እታ ክልል ካኣቱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ግን ክኣቱ ከምዘይከኣለ ዝገለጻ ወይዘሮ ሃንሳ፡ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቃሳት ህዝቢ ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምጽንሕ እኳ እንተገልጸት፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ብስምምዕ ክልቲኦም ኣካላት ባጀት ትግራይ ካብ እገዳ ምውጹኡ”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት ነዳድን፡ ንሱ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቀውስን ከም ምክንያይ ብምጥቃስ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ “ሓድሽ ከበባ” ተከርዲና ምህላዋን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከበባ ምእዋጁን፡ ውድብ ህወሓት ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ንዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዛኣቱ ቀረብ ነዳዲ ብምድራቱ፡ ኣብ መጓዓዝያ፡ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ግልጋሎትን ዕንቅፋት ይፈጥር ምህላዉ ብምጥቃስ፡ተግባራት መንግስቲ ፈደራል፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስግኣት ከምዝፈጥር ምግላጹ ዝዝከር”ዩ።
ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ፈደራልን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምፍጣጥ፡ ድሕሪ”ዚ ኣብ ሞንጎ ጀነራል ታደሰ ወረደን ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ መዕለቢ ከምዝተረኽቦ ዝንገር ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ውን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ባጀት ትግራይ ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ ከልዕሎ ምውሳኑ”ዩ ዘረጋግጽ።