ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንክምልስ ናይ ዝሓለፈ 35 ዓመታት መንነቱ ዘይፈቅደሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ንዝመጽእ ዘሎ ቁጥዐ ህዝቢ ንምዝሓል፡ ኣብ 2026 ሰፊሕ ናይ ልምዓት መደባትን፡ እሱራት ናይ ምፍታሕ መደባት ሓንጺጹ ምህላዉ ከእምን፡ መጠነ ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳ የካይድ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣትሒዙ፡ ብመንገዲ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራቱን፡ ናይ 03 ኣባላትን ኣቢሉ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ፡ ንሕሉፍ ምስሊ እቲ ጉጅለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክትቅበሎ ዝከብድን ተስፋ ዘስንቅን ሓሶታት ይዝርግሕ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭትና፡ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ተጨውዮም ዘለዉ ኩሎም እሱራት፡ ኣብ 2026 ምሕረት ክግበረሎም”ዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ህዝቢ ፍጹም ካኣምኖ ተጸጊሙ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ”ቲ ንፖለቲካዊ ረብሓ ክብል ዛኣተዎ ናይ ጽምዶ ሽርክነት፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብከቢድ ተፈንፊኑ፡ ህዝቢ ብዘላ ዓቅሙ ተቓውሞ ከየለዓዕል ኣብ ከቢድ ጥንቃቀ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዝኮነ ይኹን ምኽንያት ደጊሙ ከዐርዮ ዝኽእል መንነት ስለዘይብሉ፡ ብዘላ ዓቅሙ ግዜ ክዕድግን፡ ንስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ብተስፋ ከደቃቅሶን ይቃለስ ምህላዉ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ዝወደቁ ስውኣት ቁጽርን፡ ወግዓዊ ምንጋር መስዋእትን ክገብር ዘይመረጸሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃንደበት ክለዓል ይኽእል”ዩ ካብ ዝብል ከቢድ ፍርሒ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ድሕሪ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ቁጥዐ ህዝቢ ምስ ክብደት መነባብሮ ተሓዋዊሱ ይንህር ብምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ክጭበጥ ዘይኽእል ናይ ሓሶት ወረታት ክብትን ገዲድዎ ምህላዉ”ዮም፡ ኣብቲ ካብ ኣስመራ ዝለኣኩልና ሓበሬታ ዘረጋግጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብምኽንያት ጽምዶ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ንዝነግዱ ዘለዉ ተጋሩ እንዳተንከባኸበ፡ ነቶም ናብ ትግራይ ከይዶም ዝነገዱ ኤርትራውያን ኣድገበቅሎም ብምህጋር ከጋፍዖምን ክኣስሮምን ምጽንሑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ክሕደት ከቢድ ስምዒታት ፈጢሩ ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ንልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብክቱር ራዕዲ ዝጥምቶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስምዒት ህዝቢ ብምንባብ ኣብ 2026 ኤርትራ ናብ ልምዓት ክትምለስ ምኳና ከእምን ከቢድ ናይ ፕሮፖጋንዳ መናፍሕ ይሰድድ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ዓዲ ኳላ ናብ ትግራይ ክነግዱ ኢሎም ናይ ዝገሹ ኤርትራውያን ንኣድገበቅሊ ሃጊሩ ገንዘቦም መንጢሉ፡ ኣብ እስርቤት ካኣትዉ ከምዘይገበረ፡ ነቶም ናብ ዓዲ ኲላ ዝመጹ ተጋሩ ባኣንጻሩ ተንከባኺቡ ናብ ትግራይ ክመልሶም ምፍታኑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ደቀን ዝሰኣና ስድራቤታት ፈጢርዎ ዘሎ ስምዒት፡ ኣቅሊልካ ዝጥመት ከምዘይኮነ ዝጠቀሱ ምንጭታና፡ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ባዕዳዊ ስርዓት”ዩ ኣብ ዝብል መደምደማታ ወዲቑ፡ ብዝረኸቦ ዕድል ናይ ተቓለስቲ መደባት ኣብ ምክትታል ይውዕል ምህላዉ”ዩ ወሲኾም ዝገልጹ።