ዴሞክራሳዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዝፍጽሞ ዘሎ ህዝባዊ ጽንተትን፡ ከቢድ ሰባኣዊ ግህሰትን ደው ንክብል፡ 120 ገጻት ዝሓዘ ናይ ክሲ ሰነዳት ናብ ኮምሽን ሰባኣዊ መሰል ህዝብታት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምቅራቡ፡ ጉዳዩ ተቀባልነት ምርካቡን፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት፡ ግቡእ መብርሂ ክህብ ኮምሽን ሰባኣዊ መሰል ህዝብታት ኣፍሪቃ ምሕታቱን፡ NBC ETHIOPIA ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
ቅድሚ ዝተወሰነ ግዚያት፡ ኣቦ መንበር ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝኮነ ኣቶ ኢብራሂም ሃሩን፡ ኣብ ዓሳይታ ክልል ዓፋር ድሕሪ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ 1993 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ከቢድ ናይ ጽንተት ስጉምትን፡ ብሓይሊ ናይ ምፍንቃልን ተግባራት ክፍጽም ምጽንሑ ጠቂሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ውድብ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዝበጽሐ ገበናት ብምዝርዛር ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቅረቦ በዓል 120 ገጻት ሰነድ ተቀባልነት ምርካቡን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉጅለ ህግደፍ መብርሂ ምሕታቱን”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከውርዶ ዝጸንሐ ግፍዕን በደላትን፡ ብዝርዝር ንኮምሽን ሰባኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተዋህበ ዝገለጸ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኮምሽን ሰባኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ጥርዓን ህዝቢ ዓፋር ብምስማዕ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ፈጺምዎ ንዝተባህለ ሰባኣዊ ገበናትን፡ ምጽናት ህዝቢ ዓፋርን፡ ኣብ ዝቅጽል 60 መዓልታት መብርሂ ክህብ ናብ ኣስመራ ደብዳበ ምላኣኹን ሕቶ ምቅራቡን”ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ናብ ኮምሽን ሰባኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቅረቦ ክሲ ግቡእ ግብረመልሲ ድሕሪ ምርካቡ፡ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ብህጹጽ ደው ንምባል፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ውን፡ ተመሳሳሊ ሰነዳት ንምላኣኽ መደብ ጌሩ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቅጽል 60 መዓልታት፡ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ጽንተት ካብ ዝፍጽም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘዕግብ ሓላፍነታዊ ግብረመልሲ ክረኽቡ ዋላ”ኳ እንተጸይተጸበዩ፡ ጽንተት ህዝቢ ዓፋር ደው ንምባል ግን፡ ናብ ዝለዓለ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ክበጽሑ ምኳኖም”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ሕዝቢ ዓፋር ንምጽናትን፡ ካብ ተፈጥሮኣዊ መሬቱ ንምፍንቃሉን ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብዕላማ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝከሰሰ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ እቲ ጉጅለ ካብ ገበናቱ ክሳብ ዝእደብን፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምንባር መሰል ህዝቢ ዓፋር ክሳብ ዝኽበርን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ተሩኡ ንክጻወት ጻውዒት ዘቅረበ ኮይኑ፡ ብፍላይ ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኮና ሃገራት ህላወ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዞባ ሰላምን ቅሳነትን ዝፈጥር ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ቃልሲ ክተሓባበሩ ከምዝግባእ”ዩ ዝጽውዕ።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 54 ሽሕ ከም ስደተኛታት ዝተመዝገቡ፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ከኣ ዘይተመዝገቡ፡ ብጥቅላላ ኣስታት 90ሽሕ ህዝቢ ዓፋር ምህላዉ፡ ሰነዳት ዝንገር ኮይኑ፡ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝውገደሉ ቃልሲ ንምክያድ፡ ኣብ መደብ ምህላዉ ገሊጹ ምንባሩ ውን ዝዝከር”ዩ።