ብሕሱም ናይ ውድቀት ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኩለመናዊ ውድቀት ገጢምዋ ኣብ ደልሃመት እትርከብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብሰሪ እቲ ጉጅለ ኣብ ኩሉ ናይ ድሕረትን ውድቀትን መዛግብቲ ክትጥቀስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ውን ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሪክ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ዝኮነ ይኩን ተሳትፎ ዘይብለን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኳን፡ ኣብ ጸሊም መዝገብ ምስፋራ ተገሊጹ።
ሎሚ ዓመት ንመበል 35 ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ 21 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ሃገረ ሞሮኮ ይእንገድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዓቢ ዓቅሚ ዘለዎም መንእሰያት ከምእተፍሪ በብመድረኹ ዘመስከረት ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝዓበየ መድረክ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳቲፈን ዘይፈልታ ሃገራት ክትከውን ምካኣላ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ጥፋኣት ጉጅለ ምኳኑ ዘረጋጋጽ ካልእ ዓቢ ስእሊ ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
ኣፍኮን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ እየን ኣብ ዝተሳተፋሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ 1957 ብወግዒ ምጅማሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ካብቲ ሽዑ እዋን ኣትሒዘን 44 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ውን ኣብቲ ውድድር እኳ እንተተሳተፋ፡ ብስፖርት ዓቢ መንእሰያዊ ዓቅሚ ከምእትውንን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ዘመስከረ ኤርትራ ግን፡ ብሰንኪ ብልሹው ናይ ውድቀት ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፈን ምስ ዘይፈልጣ 10 ሃገራት ተጠቂሳ ምህላዋ”ዩ፡ ሰነዳት ናይቲ ውድድር ዘረጋግጽ።
ብዘፍረየቶም ስሙያት ስፖርታውያን መንእሰያትን፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ተራ ብዝነበሮም ተጻወትቲን እትፍለጥ ኤርትራ፡ ኣብ ዝኮነ ይኩን ኣህጉራዊ ውድድራት ክትሳተፍ ተራእያ ዘይትፈልት ምኳና፡ ሰነዳት ናይታ ሃገር ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ መንእሰያት ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ረጋጺ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ማልያ ለቢስካ ሃገር ካብ ምውካል ንላዕሊ፡ ኣብ ዝከድካዮ ናይ 3ይ ዓለም ሃገር ከይተረፈ፡ ካብታ ሃገራዊት ጋንታ ምጥፋእ ዝመርጹ ብምኳኖም፡ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዛ፡ እታ ብሬድሲ ካመልስ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ዝኮነ ይኩን ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ምርሓቃን፡ FiFa ዓለማዊ ደረጃ ክህባ ውን ከምዝተጸገመን ምግላጹ ዝዝከር”ዩ።
ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ዝስለፉ መንእሰያት ከም ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ ውልቃዊ ናጽነት ዘይብሎም፡ ኣብ ትሒቲ ሃገራዊ ባርነት ዝመሓደሩ ብምኳኖም፡ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ካብ ውድድራት ክትስሕብ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖከቲካዊ ዕብዳን፡ ወላ ውን ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ስም ኤርትራ ክጽልም ጌርዎ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃይለስላሰ፡ 8 ኤርትራውያን ዘሰለፈት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣልዒላ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራ ሃገር ጌረያ እየ እንዳበለ ዝትርጀግ ጉጅለ ዋላ”ኳ እንተኮነ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግን ኤርትራ ካብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ኣብ ጸላም ተደርብያ ምህላዋ”ዩ ዘረጋግጽ።
ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ኣብ ዝኮነ ይኩን ወግዓዊ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዘይተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ፡ ዝኮነ ይኩን ቁጽሪ ከይተዋህባ ተዘሊላ ምህላዋ ዝፍለጥ”ዩ።