ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂሰባት ተጠርቲሩ ኣብ ጸሊም መዝገብ ንዝጸንሐ ኤርትራዊ ሰምሳሪ ኪዳነ ሃብተማርያም ናብ ሆላንድ ኣሕሊፋ ከምዝሃበቶ ተገሊጹ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ሆላንድ ኣሕሊፋ ዝሀበቶ ወዲ 41 ዓመት ኤርትራዊ ሰምሳሪ ኪዳነ ሃብተማርያም፡ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዝገሹ ስደተኛታት ብዝፈጸሞ ኢሰባኣዊ ግፍዕታት ዓቃቢ ሕጊ ሆላንድ ክሲ ክምስርተሉ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብምፍጻም፡ ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ፡ ገንዘብ ብምትላል፡ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን፡ ከቢድ ግህሰት ሰባኣዊ መሰልን ብምፍጻም፡ ኣብ ናይ ገበን ትካላት ክሳተፍ ምጽንሑ ዝኸሰሰ ዓቃቢ ሕጊ ሆላንድ፡ ሰምሳሪ ኪዳነ ሃብተማርያም በዚ ዝተዘርዘረ ገበናት ተጠርጢሩ፡ ኣብ ዋዜማ ልደት ብሮያል ሆላንድ ማሬቻውሲ (KMar) ተዓጂቡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሺፎል ከምዝበጽሐ”ዩ ዝገልጽ።
ሰምሳሪ ኪዳነ ሃብተማርያም፡ ካብ 2021 ካብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላጡ፡ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝህደን ተደላዪ ሰብ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2023 ኢማራት ዓረብ ብእትመርሖ ኣህጉራዊ ስርሒት ፖሊስ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምትሓዙ፡ ናብታ ኣብ ጸሊም መዝገብ ገበነኛታት ኣስፊራቶ ዝጸንሐት ሆላንድ ከምዝተረከበ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኪዳነ ሃብተማርያም ኣብ ኢማራት ዓረብ ብዝፈጸሞ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ተኸሲሱ ገበነኛ ኮይኑ ምርካቡ ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ሆላንድ ብእትኸሶ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክፍረድን፡ ጉዳዩ ንኽከታተልን፡ ናብ ሆላንድ ኣሕሊፋ ከምዝሃበቶ”ዩ ዝገልጽ።
ሆላንድ መንግስቲ ኢማራት ዓረብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ክፍጽም ንዝጸንሐ ኪዳነ ሃብተማርያም ናብ ሆላንድ ብምርካብ፡ ገበናት ንምምካት ዘርኣየቶ ምትሕብባር ዘመስገነ ኮይኑ፡ ጥርጡር ኣዘዋዋሪ ደቂሰባት ኪዳነ ሃብተማርያም፡ ምስቲ ኣቀዲሙ ኣብ ቀይዲ ዛኣተወ ወሊድ ዝተባህለ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂሰባት ብምኳን ጉዳዩ ክከታተል ምኳኑ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ሰምሳሪ ኪዳነ ሃብተማርያም መራሒ ናይዚ ገበነኛ ትካል ምኳኑ ንዝጥርጠርን፡ ድሮ ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ዝዎለ ሆላንድ ኣብ ፍርዲ ዝቀረበን ንሰምሳሪ ወሊድ የማናይ ኢዱ ምንባሩ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ብ19 ሕዳር 2025 ናብ ቤትፍርዲ ዝቐረበ ወሊድ፡ ብዓቃቢ ሕጊ እቲ ቤትፍርዲ ናይ 20 ዓመታት መቅጻዕቲ ክወሃቦ ሕቶ እኳ እንተቐረበ፡ ኣብ 27 ጥሪ 2026 ደምዳሚ ፍርዲ ክወሃቦ ቆጸራ ከምዝተታሕዘሉ”ዩ ዝግለጽ።
ኢማራት ዓረብ ኣሕሊፋ ዝሃበቶ ጥርጡር ሰምሳሪ ኪዳነ ሃብተማርያም ውን ብተመሳሳሊ፡ ልክዕ ከም ናይ ወሊድ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ መስርሕ ክሲ ክምስረተሉ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰንበት 27 ታሕሳስ 2025 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅድሚ መርማሪ ዳኛ ክቐርብ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ ሆላንድ፡ ክልቲኦም ጥርጡራት ብሓባር ብምስራሕን፡ ናብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ሰባኣዊ ገበናት ብምፍጻምን፡ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝተቀበሉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ በሰላ ዝወረዶምን ከቢድ ግህሰት ዝገጠሞምን ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ፈጸምቲ ገበን ንገበናቶም ዝምጥን ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክወስድ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።