መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ ምስ መራሒ እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ግብጺ ኣብ ወደብ ዓሰብ ክትሰፍርን፡ ዳግመህንጻ ከተካይድን ከምዝተፈራረመ መና ዝተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ግብጺ ገሊጹ።
ንወደብ ዓሰብ ከም ምኽንያት ኣቐሚጡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ጽባሕ ውዕል ፕሪቶርያ ኣትሒዙ ምስ ታሪኻዊት ጸላኢት ኢትዮጵያ ዝኮነት ግብጺ፡ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ ኣብ ምእላም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ግብጺ ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ፡ ግብጺ ኣብ ወደብ ዓሰብ መደባት ዳግመ ህንጸት ብምኽያድ፡ መስመር ንግዳዊ ንጥፈታትን ወተሃደራዊ ነቁጣን ክትተክል ዘኽእል ስምምዕ ምፍራሙ”ዩ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
መንግስቲ ግብጺ፡ ብዘይካ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ጅቡቲ ውን ብተመሳሳሊ ወደብ ንምምዕባልን፡ ወተሃደራዊ ነቁጣ ንምቋምን ዘኽእል ስምምዕ ምፍራሙ ኣብቲ ሓበሬታ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ንኤርትራ ብዘይምልከታ ጉዳይ ከም እታኣቱ ብምግባር ወትሩ ጸላእቲ ክዕድመላ ዝረአ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ንግብጺ ናብ ዓሰብ ብምዕዳም፡ ኤርትራ ብጉዳይ ኣባይ ግድብ ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ምትፍናን ግብጽን ኢትዮጵያን ኢዳ ክትሕውስ ይገብር ምህላዉ”ዩ ዘረጋግጽ።
ስምምዕ መንግስቲ ግብጽን ጉጅለ ጅግደፍን፡ ኣካል ናይቲ ግብጺ ብጉዳይ ዲጋ ኣባይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘኻይዶ ዘሎ ጸቕጢ ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ግብጺ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ኤርትራን ጅቡትን ዝፈረመቶ ስምምዕ ወደባት ዓሰብን ዶራሌን፡ ብወግዒ ዘይተገልጸን፡ ንጹርነት ዘይብሉን ምኳኑ ዝጠቅሱ ኮይኖም፡ ግብጺ ዝወሰደቶ ውሳነ ምስፋሕ ወደባት ዓሰብ ናይ ኤርትራን ወደብ ዶራል ጅቡትን ምኳኑ”ኳ እንተተጠቅሰ፡ ብምስጢር ክግበር ምምራጹ ግን፡ ኣካል ናይቲ ን ኢትዮጵያ ኣብ ከበባ ንምእታው ግብጺ እትኽተሎ ዘላ ፖለቲካ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ክልቲኡ ወደባት ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ከም ዝርከባ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ጅቡትን ኤርትራን ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምዃነን በቲ ሓደ ወገን፡ ኢትዮጵያ ከኣ ንወደብ ዶራል ከም ናይ ንግዲ መስመር እትጥቀም ሃገር ምኳና በቲ ካልእ ገጽ፡ ዕላማ እቲ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ዝጠመተ ምኳኑ”ዮም ግምቶም ዘቀምጡ።
ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ልዕሊ 2000 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ እትውንን፡ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ ካናል ሱዌዝ እትቆጻጸርን ሃገር ምኳና ወሲኹ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ባሕሪ ኣልቦ ሃገራት፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ዝገብርኦ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ግዜ ክትቃወም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ባሕሪ ሶማል ጅቡትን ኤርትራን ምቅራባ፡ ዕላማ ግብጺ ንጹር ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
እዚ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝተገብረን ብምስጢር ዝተታሕዘን ስምምዕ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እቲ ውልቀመላኺ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ዝተኸተመ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ግብጽን ጅቡትን ብኣንጻሩ ብመንገዲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣቢለን ከምዝተፈራረማ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምስ ክልቲአን ሃገራት ውን ድልዱል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዝምድናታት ዝመስረተት ግብጺ፡ ኣብ ወደባት ዓሰብን ዶራልን ወተሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ ዘኽእላ ምዃኑ”ዩ ዝግለጽ።
እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ስምምዕ ወተሃደራዊ ትርጉም ከምዘለዎ ዝአንፍት ኮይኑ፡ እዚ ስምምዕ ኣብ ክልቲኡ ወደባት ንእነካይዶ ዘለና ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ሕጋዊ መሰረት ክህልወና ዘኽእለና”ዩ ዝብል እምነት ግብጻውያን ምህላዉ”ውን”ዩ ዝገልጽ።