ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ምውሳና ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መቓድሾ ከቢድ ተቓውሞን ነድርን ኣስዒቡ ምህላዉ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ነዚ ዝገለጸ፡ ሎሚ ኣማስዩኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማሊላንድ ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ናይ ቪድዮ ርክብ ኮይኑ፡ እስራኤል ነታ ዓለምለካዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ናጽነታ ብምእዋጅ ገዛእ ርእሳ ከተመሓድር ዝጸንሐት ሶማሊላንድ፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ከምዝሃበታ ምእዋጁ፡ ኣብ ሶማል ዓቢ ቁጥዐን ነድርን ፈጢሩ ምህላዉን፡ መንግስቲ መቓድሾ ውን ከይደንጎየ ንውሳነ እስራኤል ዝኹንን መግለጺ ከምዘውጸአን”ዩ ዝንገር።
ብዘይካ መንግስቲ መቃድሾ፡ መንግስታት ጂቡቲ፡ ግብጽን ቱርክን ዝርከብአን ሃገራት ውን ብተመሳሳሊ፡ እስራኤል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ብምኩናን ተቓውሞ ከስምዓ ጀሚረን ምህላወን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ዓርቢ 26 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፍጹም ተቐባልነት ከምዘይብሉን፡ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጎሲ ምኳኑን”የን ኣብ መግለጺኤን ዝጠቅሳ።
በንያሚን ናታንያሁ ኣብ መግለጺኡ፡ ዓርቢ 26 ታሕሳስ 2025 ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ከምዝሃብናያ ንእውጅ ዝበለ ኮይኑ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ተቀባልነት ዘይረኸበ ሃገርነት ሶማሊላንድ ብመንገዲ እስራኤል ወግዓዊ ኣፍልጦ ምርካቡ፡ ንዝቅጽል ኣዋርሕ ዓቢ ዓለማዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቀርብ ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴወን ሳኣርን፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድን ብምርድዳእ፡ ሓባራውን ሓድሕዳዊን ኣዋጅ ፈሪምና ኣለና ዝበለ ናታንያሁ፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ X ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንህዝቢ ሶማሊላንድ፡ ዓወት፡ ብልጽግናን ናጽነትን ከምዝምነ እኳ እንተገለጸ፡ ሶማል ንውሳነ እቲ ፕረዚደንት ብምቅዋም፡ ጉዳይ ሶማሊላንድ ክሳብ ናይ ዝለዓለ ዓለማዊ መጋባኣያ ክትወስዶ ምኳና”ያ ትገልጽ።
ሶማሊላንድ ካብ ዓባይ ሶማልያ ተፈንጪላ ናጽነታ ብምእዋጅን፡ ናይ ባዕላ ምምሕዳር ብምቛምን፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክትጓዓዝ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣፍልጦ ሃገርነት ንምርካብ ዝከደቶ ጉዕዞ ዝጥቀስ ዓወት ከምዝግብ ተጸጊሙ ድሕሪ ምጽናሕ”ዩ፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ኣፍልጦ ምርካቡ ዝግለጽ ዘሎ።
እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብጻዕሪ ትካል ስለያ እስራኤል ሞሳድ ክፍጸም ከምዝተኻእለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ብወገን ሃርጌሳ ሶማሊላንድ ውን፡ መንግስቲ ሶማሊላንድ ንውሳነ መንግስቲ እስራኤል ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ”ዩ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላድ ዝገልጽ።
ልኡላውነታን ናጽነታን ሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ሃገረ እስራኤል ንዝተወስደቶ ታሪኻውን መትከላውን ውሳነ ብሓጎስ ከምዝተቀበልናዮ ንገልጽ ዝበለ ቤትጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላድ፡ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዲላሂ (ዒሮ) ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ፡ ንህዝቢ ሶማሊላንድ ናይ ዮውሃና መልእኽቲ ምስዳዱ፡ ኣብ መቃድሾ ዓቢ ነድሪ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ዝህባን፡ ወይ ውን ምስታ ርእሰ ምምሕዳር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝገብራን ሃገራት ብምቅዋም፡ በብወቅቱ ንውሳነታት ብትሪ ክቓወሞ ምጽንሑ ይፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ናይ 2024 ኢትዮጵያ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ብምቅዋም ውን፡ ኢትዮጵያ ሉኡላውነት ሶማልያ ከተኽብር ብሞንጎኝነት መንግስቲ ቱርኪ ስምምዕ ኣንካራ ምክታመን ዝዝከር”ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ምስ ናይ ሶማልያ፡ ቱርኪን ጂቡቲን መዘናታቱ ብተለፎን ድሕሪ ዘካየዶ ልዝብ፡ ኣርባዕቲአን ሃገራት፡ ንልኡላዊነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ብምርግጋጽ፡ ስጉምቲ እስራኤል ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ዘምርሕ ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ሉኡላዊ ግዛኣት ሶማልያ ንዝኾነ ዞባ፡ ናጽነቱ ክእውጅ ምፍቃድ፡ ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሓደገኛ ኣብነት ዝፈጥር ምዃኑ ብምጥንቃቕ፡ ኣርባዕቲኤን ሃገራት ነቲ ኣፍልጦ ከምዝነጽግኦ”የን፡ ኣብቲ ብመገዲ ካይሮ ዝወጸ መግለጺ ሚኒስተራት ገሊጸን ዝርከባ።
በዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት፡ ሶማሊላንድ ምስ ሃገረ እስራኤል ዝጸንሓ ርክብ ናብ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ውክልና ከተዕብዮ ምዃና ዝሓበረት ኮይና፡ ሶማሊላንድን እስራኤልን ክሳብ ኢምባሲታት ብምክፋትን፡ ኣምባሳደራት ብምልኣኽን ሃገራዊ ዝምድና ክምስርታ ምኳነን ምግላጻ፡ ሶማል ነዚ ጉዳይ እዚ ደው ንምባሉ እትወስዶ መርገጺ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ቅልውላው ከጋድድ ዝኽእል ሓደጋታት ክህልዎ ከምዝኽእል”ዩ ዝግመት።