ኣመሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቀሱ እስላማውያን ጕጅለታት IS ሓያል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ ነቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና መጥቃዕቲ ክፍጽም ብምጽንሑ ምኳኑ ዝገልውጸ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ሃገሩ ሓያልን ዕላሙኡ ብልክዕ ዝወቕዐን ዕዉት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈጸመ’ዩ ዝገልጽ።
ኣፍሪኮም ተባሂሉ ዝጽዋዕን ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ስርሒታት ዝፍጽምን ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዞባ ሶኮቶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብምውህሃድ ኣመሪካን መንግስቲ ናይጀርያን ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ዮሱፍ መይታማ ቱጋር ብወገኑ፡ እቲ ዝተፈጸመ “ልፍንታዊ ስርሒት ግብረሽበራውያን ሓይልታት ንምድምሳስ ዝዓለመ ዳኣ’ምበር፡ ንዝዀነ ይኩን ሃይማኖት ብፍሉይ ንምጥቃዕ ዝተፈጸመ ከምዘይኮነ”ዩ ዝሕብር።
ናይጀርያዊ ምኒስተር ዮሱፍ ወሲኹ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብውህደት ሰብ መዚ ክልቲኤን ሃገራት ዝተወስደ ስጉምቲ ምንባሩ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ክህሉ ድዩ ንዝብል ሕቶ ግን መልሲ ክህብ ከምዘይመረጸ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ ባዕሉ ኣብ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን መሪሕነተይ፡ ሃገርና ኣመሪካ ዝዀነ ይኩን ኣኽራሪ እስላማዊ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ክስስን ኣይከተፍቅድን”ያ ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ሽበራውያን መጥቃዕቲ ንምፍጻም፡ ብምሉእ ሓይሉ ክዳሎ መምርሒ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ሰራዊት ሃገሩ፡ ኣብ ናይጀርያ ንዝርከብ ናይ IS ዕጡቅ ሽበራዊ ሓይሊ ከጥቅዕ ምኳኑ ብግልጺ እኳ እንተዘሓበረ፡ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ኣመንቲ ክርስትያን፡ ጃምላዊ ህልቂት ይፍጸም ኣሎ ዝብል መረረታት ግን ብመንገዲ የማናውያን ኣመሪካውያን ክጋዋሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ”ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዋና ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሀገዝ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስፈሮ ናይ X ጽሑፍ፡ መንግስቲ ናይጀርያ ንዘርኣዮ ምውህሃድን ምትሕግጋዝን ዘለዎ ኣድናቆት ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ክሳብ መፍትሒ ዝርከቦ፡ ኣመሪካ ዝጀመረቶ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ጸረ ሽበራ ገና ክቅጽል ከምዝኮነ”ዩ ኣሚቱ ዝርከብ።
ነቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ኵነታት ዝከታተሉ ጕጅለታት ባኣንጻሩ፡ ነቲ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትያን ዝኮኑ ህዝብታት ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲን መቕተልትን፡ ይፍጸም ምህላዉ ዘረጋግጽን ዘራጉድን መርትዖ ከምዘየለ ዝገልጹ ዋላ”ኳ እንተኮኑ፡ ኣመሪካ ግን ብምሉእ ኣፍልጦ መንግስቲ ናይጀርያ ሽበራውያን ንምጥፋእ ከምዝፈጸመቶ”ያ ትገልጽ።