ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ብዝሃበቶ ኣፍልጦ ሃገርነት ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ምኳኑ The times of israel ዝተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ሎሚ ሰኑይ 29 ታሕሳስ 2025 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጉዳይ ኣፍልጦ ሃገርነት እስራኤል ንግዛኣት ሶማሊላንድ ዘተኮረ ምኳኑ፡ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት እቲ ሕብረት እስራኤል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ተቓውመአን ከስምዓ ከምዝኮና”ዩ ዝግመት።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 25 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ብወግዒ ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃባ ምግላጻ ዝዝከር ኮይኑ፡ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ነታ ካብ 1991 ኣትሒዛ ኣካል ዓባይ ሃገር ኮይና ዝጸንሐት ሶማሊላንድ፡ ሃገር ምኳና ዛኣወጀ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ እኳ እንተኮነ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ሃገራት ዓረብ ግን ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።
ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብወግዒ ዝተገልጸ ሃንደበታዊ ስጉምቲ እስራኤል፡ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ነቐፌታ ኣስዒቡ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሶማል ነቲ ብትሪ ዝኮነነቶ ውሳነ እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሶማል ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ዩ ብምባል ክሲ ብምምስራታ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ሶማል ህጹጽ ኣኬባ ክጽውዕ ደሪክዎ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ባይቶ ምትሕብባር ወሽመጥ ዓረብ፡ እስላማዊ ውድብ ምትሕግጋዝ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎም፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ኣህጉራውን ትካላት’ውን፡ እስራኤል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ይቃወሞ ምህላዎም ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ክትብተን ኣለዋ፡ ትግራይን ኣምሓራን ውን ርእሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና ኣለወን ኣብ ምባል ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ተሓላቂ ሉኡላዊ ሓደነታዊ ግዛኣት ኮይኑ ብምቅራብ፡ ብጉዳይ ታይዋን እትሕለቅ ቻይና ኣብ’ዚ መዳይ እዚ ዘለዋ መርገጺ ከተነጽር ዝጽውዕ መግለጺ ምውጹኡ ዝዝከር ‘ዩ።