ኣብ ከባቢ ዶባት ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ጥራሕ ተሓጺሩ፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ናይ ዕድጊ ባጤራ ብምኳን ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ባጤራ ናቅፋ፡ ካብዚ ቀረባ ግዚያት ኣትሒዙ፡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ተዘርጊሑ ኣብ ስራሕ ይውዕል ምህላዉ፡ ከም ሓደገኛ ናይ ንግዲ ኮንትሮባንድ ከምዝጥመት ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊጾም።
ብመሰረት እቲ ካብ ሬድዮ ዋዘማ ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ባጤራ ናቅፋ ናይ ኤርትራ ኣብ ከም ዓዲግራት፡ ዓድዋን መቐለን ዝኣመሰላ ከተማታት ትግራይ ተዘርጊሑ፡ ኣብ ስራሕ ይውዕል ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ብፍላይ፡ ሓደ ናቕፋ ብ15 ብር ናይ ኢትዮጵያ ይቕየር ከምዘሎን፡ እዚ ከኣ ካብቲ ንቡር ሸርፊ ብዕጽፊ ዝዓቢ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ምሁራት ስነ-ቑጠባ ኢትዮጵያ፡ ምስፍሕፋሕ ባጤራ ናቅፋ ኣብ ዕዳጋታት ኢትዮጵያ፡ ንገንዘባዊ ልኡላውነት እታ ሃገር ዝጥሕስ ዓቢ ብድሆ ምኳኑ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ባጤራ፡ ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ብዓቢ ቁጽርን ብዘይሕጋዊ መንገድን፡ ከም መሳርሒ ሸርፊ ክውዕል እንተጀሚሩ፡ ንገንዘባዊ ቁጽጽርን ማእኸላይ ባንኪ እታ ሃገርን ከምዘዳክምን ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይተደልየ ኪኢላ ስነቁጠባ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ዘይሕጋዊ ናይ ባጤራ ንግዲ፡ ድሮ ብኹናት ተሃስዩ ንዝርከብ ቁጠባ ትግራይ ዝቅባበ ዝፈጥርን፡ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ዘስዕብን ሓደገኛ ኩነታት ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ባንክታት ብወገነን፡ ኣብታ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዝርግሐ ባጤራ ናቅፋ፡ ሕጽረት ባጤራ ብር ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ምስፍሕፋሕ ከምዝኮነ ዝገልጻ ኮይነን፡ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ክልል ብሰንኪ ዝፈጠሮ ስጋኣታት፡ ህዝቢ ገንዘቡ ካብ ባንክታት ኣውጺኡ፡ ኣብ ገዝኡ ይክዝኖ ምህላዉን፡ ባጤራ ናቅፋ ናይ ኤርትራ ተፈጢሩ ንዘሎ ሕጽረት ገንዘብ ይሽፍን ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ንዘሎ ምስፍሕፋሕ ባጤራ ናቅፋ፡ ምስ ኩነታት ጸጥታ ናይዚ ዞባ ዘተሓሕዝዎ ኮይኖም፡ ከምም ነዳዲ እኽልን ወርቅን ዛኣመሰለ ሃብቲ ትግራይ፡ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ይለኣኽ ብምህላዉ፡ ባጤራ ናቅፋ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ቁጠባዊ ጸቕጢ ክፈጥር ምኳኑ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
እዚ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይ፡ ብባጤራ ናቅፋ ናይ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ንግዳዊ ምልውዋጥ ብቀሊል ዝጥመት ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ሓደ ተንታኒ ፖለቲካ ብወገኑ፡ ተሳትፎ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ጸጥታ ዶባትን፡ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ናይ ዶባት ንግዲ ጎሊሑ ይረአ ምህላዉ፡ ነቲ ዝግበረ ንግዲ ካብ ስሩዕ ንግዲ ናብ ዝተወደበ ቁጠባዊ ምዝመዛ ቀይርዎ ምህላው ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ዕድጊ ወርቂ ብዶላርን ናቅፋ ይከናወን ብምህላዉ፡ ንሃብቲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሃገር ይሃስዮ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ከም ባድመ፡ ራማ፡ ጾረናን ዛላምበሳን ዛኣመሰለ ከባቢታት፡ ንግዳዊ ምንቅስቃሳት ዶባት እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ነጋዶ ካብ ኤርትራ ሳሙና፡ ነዳድን ኤሌክትሮኒክስን ናብ ትግራይ እንዳእተዉ፡ ካብ ትግራይ ነዳዲ ዘይትን ጥሪትን ይሸጡ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ገንዘብ ኣብ መቐለ ብ220 ብር ዝሽየጥ ሓደ ሊትሮ ነዳዲ፡ ዶብ ሰጊሩ ብልዕሊ 300 ብር ይሽየጥ ምህላዉን፡ እቲ ጉዳይ ብመንግስቲ ፌደራልን፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይን መዕለቢ እንተዘይረኺቡ፡ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ መስርሕ ዳግመ ህንጸት ክዕንቅፍ ከምዝኽእል ኢዮም ክኢላታት ዘጠንቅቑ።