ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ብኣንፈት ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቢሎም፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 103 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምሶኦም ዝነበሩ 5 ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ፡ ኮሚሽን ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም 103 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሒዞሞም ምስ ዝተበገሱ 5 ኣሰጋገርቲ ነጋዶ፡ ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ሰዓት 9፡00፡ ኣብ ወረዳ ሃመር ዞባ ደቡብ ኦሞ ኣብ ዝርከብ፡ ኤርቦረ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዎም፡ ኮሚሽን ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኤርትራውያን ስደተኛታትን 5ተ ነጋዶን፡ ብናይ ጽዕነት መኪና ዶብ ኢትዮ-ኬንያ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ካኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ ሰዓት ከምዝሓዞም”ዩ ዝገልጽ።
ኮሚሽን ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓበሬቱኡ፡ ኣብ መንጎ ትካላት ጸጥታ ክልልን ፈደራልን ድሕሪ ዝተገበረ ክትትታልን ምልውዋጥ ሓበሬታን፡ ነቶም ዶብ ክሰግሩ ዝፈተኑ 103 ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ሒዞሞም ዝተበገሱ ነጋዶ ኣብ ቀይዲ ንምእታዎም ከምዝተካእለ፡ ብመንገዲ ዳይሬክተር ሓበሬታን ስለያን ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኮማንደር ጌታነህ ወለተሃና ኣቢሉ ንዶቸ ፌለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ኮማንደር ጌታነህ ወለተሃና ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎምን፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ሒዞሞም ዝተበገሱ ነጋዶ ዕጸፋርስን ተወሳኺ መርመራታት የካይድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ገና ኣብ ምርመራ ምህላዎም ዘረደአ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ”ቶም 103 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብርክት ዝበሉ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምህላዎም’ውን”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ግሉጽ ናይ ቃላት ኲናት ዛኣተወ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ሰለማዊ ናብሮኦም ክመርሑ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምክንያታዊ ዘይኮነ በደላትን ከቢድ ኣደራዕን ኣብ ምውራድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምንባር ሲኢኖም ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውን፡ ናይ ማእሰርትን ገንዘብ ምዝራፍን በደላት ይፍጽም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 103 ኤርትራውያን ዝተወስደ ስጉምቲ ውን መቐጸልታ ናይቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ክቅጽል ዝጸንሐ ሞራል ዝጎደሎ ኣታሕዛ ኤርትራውያን ምኳኑ”ዩ ዝንገር።