ውድብ ህወሓት ገጻት ማሕበራዊ መራከቢታት ከም መሳርሒ ብምጥቓም፡ ስቃይን ጥምየትን ህዝብን ንደገ ክወጽእን፡ ዓቢ ኣጀንዳ ክኸውንን ዝገበሩ ውልቀሰባት፡ ምስለይ ኣባላሽዮሞ ብምባል ስጉምቲ ክወስደሎም ምኳኑ ተገሊጹ።
እቲ ውድብ ህወሓት፡ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ንደገ ኣቃሊዖም ስመይ ኣጸሊሞም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ቲክቶከራት ስጉምቲ ክወስድ ይሓስብ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ካብ ውሽጢ ትግራይ ሰሊኹ ዝወጸ ሓበሬታ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ጽጉማት ንምሕጋዝ ዝተገብረ ጎስጓስ፡ ኣብ ውሽጢ ውሱናት መዓልታት ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሰምዖ ምኽኣሉን፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ውን ፖለቲካዊ ክሳራ ምውራዱን ስዒቡ፡ ውድብ ህወሓት በቲ ዝተገብረ ጎስጓስ ከምዝተቆጠዐን፡ ህወሓት ክጥቃዕ ጌርዎ ዝብል መደምደምታ ብምውሳድን ኣራሚ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ከቢድ ናይ ዓጸቦ ክስተት፡ ሰሪ መንግስቲ ፈደራል ዝተከስተ ምኳኑ ንምእማን ዝተገብረ ስራሕ፡ መንግስቲ ፈደራል ብዘቅረቦ ወግዓዊ ናይ ዳታ መግለጺ፡ ተቀባልነት ከምዘይረኸበን፡ ውድብ ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ተሓታቲ ክከውን ምግባሩን ኣብ ህወሓት ቁጠዐ ምፍጣሩ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ሓበሬታ ስእልን ቪዲዮን ብዝምርጋሕ ዘጋውሕዎ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኩሉ ነገር ብኣፍልጦ እቲ ውድብ ዝምእዘን ክኸውን ዝእዝዝ ኣራሚ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
በዚ መሰረት ፖሊስ እቲ ክልል ናብ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኮኑ መንእሰያት መጸዋዕታ ክልእኽ ምኳኑ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ድሕሪ ግዳያት ንምሕጋዝ ዝካየድ ኩሉ ዓይነት መደባት ውን ፍቃድ ብዘለዎ መንገዲ ጥራሕ ክኸውን ከምዝኮነ”ዩ ዘረድእ።