መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዳባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክካየድ ዝጸንሐ ግፍዕን በደላትን፡ ሕጂ ውን ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዕጡቃት ክልል ኣምሓራ ብዝተኮስሉ ጥይት ሂወቱ ምሕላፉ፡ ምንጭታትና ካብ’ቲ መዓስከር ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ግዳይ ድንገታዊ ሞት ዝኮነ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ይብራህ ኣሰፋ ገብረእግዚኣብሄር ዝተባህለ ወዲ ዓዲ ኣደ-ጎልቦ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብቅድሚ ትማሊ 29 ታሕሳስ 2025 ከባቢ ሰዓት 8 ናይ ምሸት፡ ካብ ዕጡቃት ክልል ኣምሓራ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተሃርመን፡ ከባቢ ሰዓት 10:30 ናይ ምሸት ከምዝዓረፈን”ዮም ዝገልጹ።
ኣቦ ሰለስተ ውሉዳት ምኳኑ ዝተነግረሉ መዋቲ ይብራህ ኣሰፋ ገብረእግዚኣብሄር፡ ንግፍዕን ጭቆናን ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም፡ ካብ ገዛእ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣብ 2009 ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ኮይኑ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ መዓስከራት ትግራይን ክልል ኣምሓራን ተዓቊቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዕጡቓት ናይ’ቲ ክልል ሂወቱ ምሕላፉ”ዩ ዝንገር።
ግዳይ ዘይተሓስበ ድንገታዊ ሞት ዝኮነ ይብራህ ኣሰፋ ገብረእግዚኣብሄር፡ ትማሊ 30 ታሕሳስ 2025 ኣካል ስድራቤቱን፡ መላእ ስደተኛ መዓስከር ዳባትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ስነስርዓት ቀብሩ ከምዝተፈጸመ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ እዋን ሓመድ ድበ እቲ ረኻቢ መዓት ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝስማዕ ዝነበረ ምረትን ኣውያትን ስደተኛታት፡ ልቢ ዝሰብርን ከቢድ ስምዒት ዝፈጥርን ምንባሩ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ኲናት ትግራይ ኣምሊጦም ናብ ዳባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝግዕዙ ኣትሒዞም፡ ንዝሓለፈ 5ተ ዓመታት ብዕጡቃት ፋኖን ብረት ዝሓዙ ሸፋቱን፡ ኣደዳ ሞትን ስቃይን ይኮኑ ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዘሎ ግፍዕን መከራን ዜጋታት ኤርትራ ሪኡ ከምዘይረኣየ ኮይኑ እንዳሓለፎ፡ ብጉዳይ ተጋሩ ክሕልቅ ይፍትን ምህላዉ፡ ማዕረ ኤርትራውያን ዜጋታት ተጋሩ ውን ክሓስብሉን ክዕዘብዎን ዝገብር ምኳኑ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።