ኣብ ልዕኪ ይሕለቀሉ”የ ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅንጣብ ትኩም ፍቅርን ክብርን ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ትግራይ መዓስከራት ተፈናቀልቲ ተፈጢሩ ንዘሎ ጥሜትን ዓጸቦን ተሓላቂ ብምኳን፡ ናይ ሓገዝ ኮንሰርት ክዳሎ ጻውዒት ምቅራቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝብን ኣብ ደገ ዝነብሩ ሰዓብቲ ናይቲ ጉጅለ ዝኮኑ ዜጋታትን፡ ከቢድ ስምዒት ምፍጣሩ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
“ናይ ጽምዶ ፖለቲካ” ንምሕላው ኣብ ኮሸምሸም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብዚ ቀረባ ግዚያት ኣትሒዙ ተፈጥሩኡ ዘይፈቅደሉ ናይ ድንጋጸ ባህሪያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከንጸባርቅ ምጅማሩ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣገሪሙ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኑ ንዘሎ ህዝቡ ዘይተሓለቀ ጉጅለ፡ ኣብ ሽግርን ጥሜትን ህዝቢ ትግራይ ተሓላቒ መሲሉ ብምቅራብ፡ ገንዘብ ንምትእክካብ ዝውዕል ኮንሰርት ክዳሎ ዝእዝዝ ሕንቅንቅ ዝመሎኦ መልእኽቲ ብመንገዲ ኳደሩኡ ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ምልኣኹ፡ ኣብ ህዝቢ ውሽጢ ዓድን፡ ብዕሙት ዓይኒ ዝስዕብዎ ስደተኛታት ደገፍቱን ከቢድ ስንባደን ነድርን ፈጢሩ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ መዓስከር ዳባት፡ ኣብ መዓስራት ሱዳን፡ ከሙኡ ውን ኣብ መካዝን ሊብያ ዝፍጸም ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ናብ ውሽጢ ዓዲ በጺሑ ህዝቢ ተሓቢኡ ብሞባይል ይቀባበለሉ ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ህግደፍ ኣብ ሽግርን መከራን ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስቃይ ዕሽሽ ብምባል፡ ጽምዶ ንከይፈርሶ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ተሓላቒ ክኸውን ምፍታኑ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ጎንካ ኣለና ክብልዎ ዝጸንሑ ገለ ብሃማት ደቂ ሃገር ንጹር መልእኽቲ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካሜራ ስለዘይረኸበ ጥራሕ ዝተሓበአ፡ ካብ ናይ ሕንጻጽን ዳባትን ዝከፍእ፡ ኣዝዩ ዘሰክሕ ጥሜትን ልመናን ተኸሲቱ ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ተቓለስቲ፡ ስቃይ ውሽጢ ሃገር ኢንተርነት ብምዕጻው ዝኸወለ እቲ ናይ ጥፋኣት ጉጅለ፡ በቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ጥሜትን ሽግርን ዝገጠሞም ተጋሩ ሕንቅንቅ ክብል ምፍታኑ፡ ንኹሉ ኣገሪሙ ምህላዉን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ደገፍቲ ውን፡ ህግደፍ ጸረ ህዝብን ሃገርን ምኳኑ ክድምድሙ ዝገብር ምኳኑን”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ልዕሊ”ቲ ብኳደረ ኣወል ስዒድ ዝተገልጸ ጻውዒት ናይ ሓገዝ ኮንሰርት፡ ኣብ ደገ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒት ውን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይስማዕን፡ ይዝርጋሕን ምህላዉ ወሲኾም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቶም ኣብ ክልተ ዓመት ወርሒ ናብ ሃገር እንዳተመላለሱ፡ ህዝብና ጽቡቅ ኣሎ ዝብሉ ተበለጽቲ ዘስምዕዎ ዘለዉ ቁጥዐ፡ ሎምስ ጸገምና ተረዲእኩም ዝብል ተስፋ ይፈጥር ምህላዉን፡ ህግደፍ ናይ ደገ ኣዳኸርቱ እንተኸሲሩ ዕምሪ ስልጣኑ ዘብቅዓሉ”ዩ ካብ ዝብል ስሞዒት ብምብጋስ፡ ብኣወንታዊ ዓይኒ ከምዝተዓዘብዎ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ደማዊ ኲናት ንምእታው፡ መሬት ትግራይን ጉልበት ተጋሩን ክጥቀም ብምሕላን፡ ምስ ትግራይ ኣብ ናይ ሓሶት ዝምድና ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ጥፋኣት ኣካይዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ምልኪ ዝኮኑ ደገፍቱ ንዝነበሮ እምነት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ የላሕልሖ ብምህላዉ፡ ጽምዶ ብኣንጻር እቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝወጠኖ ዕላማ፡ ዝያዳ ንንፋስ ክቃላዕ ጌርዎ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።