ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳይ ምብራቅ ኣፍሪቃ ብምኳን፡ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ፈደራል ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብይ ብኲናት ቀጥቂጡ’ዩ ስዒሩና ብምባል፡ ህወሓት ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳዕረ መስኪሩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምስ ሓደ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ኮይኑ፡ ህወሓት ኲናት ኣየድልን ተባሂሉ ብዙሕ ግዜ ተለሚኑ እምቢ ምባሉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብይ ኣህመድ ቀጥቂጡ’ዩ ስዒሩና ክብል”ዩ፡ ህወሓት ናብ ፕሪቶርያ ዘምረሐ ድሕሪ ዝወረዶ ስዕረት ምኳኑ ዝገልጽ።
ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ሓይልታት ፋኖን ህግደፍን እዮም ዝበለ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ህወሓት ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ምስ ክልቲኦም ሓይልታት ብምኳን ዳግማይ ንኣዲስ ኣበባ ክምለስ ይሓልም ምህላዉ ጽላለ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ፋኖ ምስ ፌደራል መንግስቲ ናብ ጎንጺ ዛኣተወ ውዕል ፕሪቶርያ ስለዝተፈረመ’ዩ፡ ህግደፍ ተኮሊፍና ዝበለ ውን፡ ንምንታይ ኲናት ዘይቀጸልና”ዩ ትርጉሙ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ህወሓት ካብ ጌጉኡ ከይተማህረ፡ ሕጂ ውን ምስቶም ንምንታይ ዘይጠፈአ ዝብልዎ ሓይልታት ጽምዶ ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ይሓስብ ምህላዉ፡ ጫፍ ውርደት ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ተመዛበልቲ ናብ ቤትንብረቶም ንከይምለሱ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ሓይሊ ውን ህወሓት”ዩ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ፋኖ ጋሸና ስለዝበጽሐ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ክፈርስ እዩ ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ምህላዎም ብምጥቃስ፡ እዚ ብፍጹም ክኸውን ከምዘይኽእል”ዩ ዝገልጽ።
ህወሓት ኣብ ኲናት ከምዝተሳዕረ ዝመስከረ ኣቶ ጌታቸው ኣስዒቡ፡ ድሕሪ እዚ ኩሉ ዕንወት እንዳወደቅና እንዳተሳእና ውን እንተኮነ ተስፋ ኣይቆርጽን ዝብል ሓይሊ ኣብ ትግራይ ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ኢና ኢሉ ዝጀመሮ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ምፍሻሉ”ዩ ዝገልጽ።
መራሕቲ ህወሓት፡ ሕጂ ውን እንተኮነ ኣዲስ ኣበባ እንተዘይኣተና ብምባል፡ ኩናት ክጅምሩ ይፍትኑ ምህላዎም ዝጠቀሰ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣዲስ ኣበባ ደጊም ብባቡር እምበር ብኲናት ክእቶ ከምዘይከኣል ብምጥቃስ፡ ዝሓስብዎ ዘለዎ ነገር ክኸውን ከምዘይክእል”ዩ፡ ኣብቲ ምስ NBC ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናት፡ ንጉጅለ ህግደፍን ሓይልታት ፋኖን ዝኸሰሰ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ መደምደምታ ኲናት ትግራይ ንዝኣወጀ መንግስቲ ፈደራል፡ ካብ ሓላፍነት ምጽናት ዓሌት ትግራይ ነጻ ዝገብር መግለጺ”ዩ ክህብ ተሰሚዑ።