ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳይን፡ ብእስላማዊ ጉጅለ ግብረሽበራ ዳዕሽ ተታሒዙ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ ትሕተ-ምድራዊ መስመር ሶርያ፡ ሓባራዊ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዳም ምሸት ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣብ ጥቓ ጥንታዊት ከተማ ፓልሚራ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናዊ ዞባ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እስላማዊ ጉጅለ ግብረሽበራ ዳዕሽ ንዝቆጻጸሮም ትሕቲ ባይታዊ ገለርያታት ዕላማ ብምግባር፡ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ”ዩ ዝገልጽ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተወስደ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ዕላሙኡ ብዓወት ከምዝሃረመ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ FGR4 ብዝዓይነተን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ዝተካየደ ስርሒት፡ ስብ ልዕሊ እቲ ሽበራዊ ሓይሊ ቀሊል ዘይበሃል ዕንወት ከምዘውረደ”ዩ ዝገልጽ።
ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሂሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነ ይኩን ሽበራዊ ምንቅስቃስ ንምጥፋእ፡ ምስ መሻርክታ ዝኮና ሃገራት ደው ክትብል ቆሪጻ ተበጊሳ ምህላዋ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ኣኽረርቲ ሽበራውያን ጉጅለታት ንምጥፋእ ዝካየድ ስጉምቲ ብዝሓየለ መልክዑ ክቅጽል ምኳኑ”ዩ ወሲኹ ዝግለጽ።
ምውጋድ መነባብሮ ህዝብታት ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሓደገኛታት ኣሸበርቲ ጉጅለታት፡ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕማም ምኳኑ ዝገልጽ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብቲ ዕዉት ስርሒት ዝተሳተፉ ፈጸምቲ ተልእኮ ክልቲኤን ሃገራት፡ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዕዉት ምንባሩ ብምግላጽ ኣመስጊኑ።
ዕጡቅ እስላማዊ ኣሸባሪ ሓይሊ ዳዕሽ፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ብሰፊሑ ኣብ ምንቅስቃስ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካቡኡ ሓሊፉ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓመት መጸ ዝወስዶም ነብሰ ቅትለታዊ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ውን፡ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ሲቪል ዜጋታት ኣብ ምጥፋእ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።