ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰበስልጣን ኢራን ሰላማዊ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ንዝርከቡ ሰልፈኛታት ምቅታል እንተጀሚሮም፡ ኣመሪካ ስቅ ኢላ ክትዕዘብ ከምዘይኮነት ኣጠንቂቑ።
ኣብ መግለጺኡ ኣመሪካ ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ ዝበለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ኣብ ውልቃዊ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ጽሑፍ፡ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ኢና ምባሉ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ፡ ዓለማዊ ፖለቲካ ኣብ ምቅያር ዓቢ ጽልዋ ከይፈጥር ከቢድ ስጋኣት ሰፊኑ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ ዝብል ቃላት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኢራን ምትእትታው ንምግባር ድሌት ከምዘለዎ ዘነጸረ መብጽዓ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ብሸለልትነት ክጥመት ዘይክእል ሓደገኛ ውሳነ’ዩ ብምባል ዝገለጸ ኮይኑ፡
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢ ዝፍጽሞ ዝኮነ ይኹን ገበናዊ መጥቃዕቲ፡ ዝጽወርን ብሸለልትነት ዝሕለፍን ከምዘይኮነ ክፈልጥ ይግባእ ብምባል’ዩ ዘጠንቅቅ ።
ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ንዝመጻ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው፡ ብሓይሊ ግብረመልሲ ክትህበሉ ክትግደድ’ያ ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብቲ ኣብ ኢራን ተላዒሉ ዘሎ ሰለማዊ ተቓውሞ፡ 8ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ዝንገር ወላ’ኳ እንተኮነ፡ ጉዳይ ኢራን ንኢራናውያን ጥራሕ ከምዝምልከት”ዩ እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ዝገልጽ።
እዚ ብሰንኪ ቍጠባዊ ቀውሲ እታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ይቅጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ ዝኾነ በዓል ስልጣን፡ ትራምፕ ናብ ጉዳይ ኢራን ጣልቃ ንምእታው እንተዳኣ ፈቲኑ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣመሪካ ብሓዊ ካብ ምጽዋት ክትጥንቀቕ ከምዘለዋ” ብምባል መልሲ ሂቡ።
ገለ ገለ ኢራናውያን ሰልፈኛታት፡ ምትእትታው ኣመሪካ ብእወታ ከምዝጥምትዎ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ወይ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ኣብ ጉዳይ ኢራን ኣተኲሮም ዝህብዎ ቃላት፡ ንሓይልታት ጸጥታ ኢራን ፍርሕን ነውጽን ከምዝፈጥረሎም ሓንቲ ኣብ ጎደናታት ቴህራን ተቓውሞኣ ኣብ ምስማዕ ዘላ መንእሰይ እኳ እንተገለጸት፡ ኢራን ክትወስዶ እትክእል ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ግን፡ ንፖከቲካ ዓለም ሓደገኛ መዘዝ ክህልዎ ከምዝክእል”ዩ ዝንገር።
እታ ንድሕነታ ስማ ዘይተገልጸ ኢራናዊት መንእሰይ፡ ንዓመታት ተቓውሞ ኣብ ምስማዕ ዝርከብ ህዝቢ ኢራን፡ ንነዊሕ እዋን ደገፍ ኣመሪካ ክሓትት ከም ዝጸንሐን፡ ህዝቢ ኢራን ህጹጽ መፍትሒ ይጽበ ምህላዉን ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ትራምፕ ንዝተዛረቦ ክገብሮ”ዩ ኢሎም ስለዛኣምኑ፡ በዚ ናይ ሎሚ መርገጺ ትራምፕ፡ ዝኮነ ይኩን ነገር ክፍጠር ይክእል”ዩ ዝብል ስጋኣት ከምዘለዎም”ያ ትገልጽ።
እቲ ተቓውሞ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ቴህራን ዝጀመረ ኰይኑ፡ ዋጋ ባጤራ ኢራን ርያል ብመንጽር ዋጋ ዶላር ኣመሪካ ኣመና ምድካሙ ብዝተቖጥዑ ወነንቲ ድኳናት ተላዒሉ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተጸንቢሮሞ፡ ናብ ሓያሎ ከተማታት እታ ሃገር ተዘርጊሑ ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ ህዝቢ ኢራን ንመንፈሳውያን ገዛእቲ እታ ሃገር ዝኩንን ጭርሖታት ሒዙ ኣብ ጎደናታት ይውዕል ምህላዉ”ዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብዙሓት ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኻሚኒ ከብቅዕን፡ ሃገሮም ናብ ንግስነት ክትምለስን ከም ዝደልዩ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ኣመሪካ ኣብ’ዚ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ካሚኒ ስጉምቲ ክትወስድ ዝሓቱ እኳ እንተኮኑ፡ ባኣንጻሩ ኢራን ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ ግን፡ ዓለማዊ ነውጺ ክፈጥር”ዩ ዝብል ስጋኣት ከምዘሎ ውን’ዩ ዝእመን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ጉዳይ ህዝባዊ ተቓውሞ ኢራን ዘለዎ መርገጺ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ እስራኤል ህዝቢ ኢራን ንዘካይዶ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ጽኑዕ ደገፍ ከምዘለዋ ገሊጹ።
እስራኤል ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኢራንን፡ ንናጽነት ንሓርነትን ፍትሕን ዘለዎ ቆራጽነትን ደው ክትብል”ያ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ህዝቢ ኢራን ስልጣን ብሒቱ ንዝርከብ መንግስቲ ካሚኒ ካብ ስልጣን ንምዕላው ዝገብሮ ዘሎ ተቓውሞ፡ እስራኤል ብምሉእ ዓቅማ ከምእትድግፎ”ዩ ዝገልጽ።
ብጉዳይ ምምዕባል ኒክለራዊ ኣጽዋር፡ ምስ ኢራን ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣትየን ዝነበራ እስራኤልን ኣመሪካን፡ ነዚ ህዝቢ ኢራን ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ምኽንያት ተጠቂመን ኣብ ጉዳይ ኢራን ጣልቃ ብምእታው መንግስቲ ካሚኒ ንምዕላው ይሰርሓ ምህላወን ዝግለጽ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካምኒ ከምቲ ናይ ቬንዝዌላ ኩነታት ብቀሊል ኢዱ ክህብ’ዩ ዝብል ግምት ስለዘየለ ግን፡ ጉዳይ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ብቀሊል ዘይጠፍእ ሓደጋ ክህልዎ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።