ኣመሪካ ኣብ ቬንዙዌላ ዝርከብ ጸረ-ነፈርቲ ኣጽዋር ሩስያ፡ ኣብቲ ኣብ ቬንዝዌላ ዝገበረቶ ስርሒት ከምዝደምሰሰት ተገሊጹ።
ኣመሪካ ኣብ ቬንዝዌላ ዝወሰደቶ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ድሕሪ ምዕራጉ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቬንዙዌላ ንዝርከብ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ (Buk-M2E) ዝተሰምየ ዘመናዊ ስርዓተ ምክልኻል ነፈርቲ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነዎ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንሩስያ ኣቆጢዑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ብመሰረት እቲ ካብ ናይ ጸጥታ ምንጭታት ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጸረ ነፈርቲ ሩስያ ዝተወስደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ‘ላ ካርሎታ’ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እቲ ፍጻመ ስርዓት ማዱሮ ክሊ ሰማያት ቬኒዝወላ ንምክልኻል ዝነበሮ ግዙፍ ዓቕሚ ከም ዘዳኸሞ’ዩ ዝንገር።
እቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ-ክቢ ንዝርከብ ወታደራዊ ኣጽዋር ሩስያ ብቐጥታ ዕላማ ዝገበረትሉ ስጉምቲ ተጌሩ ተወሲዱ ምህላው ዝተነግረ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ክረምሊን ኣሜሪካ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ከምዝተቆጠዐ”ዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኣመሪካ ኣብ ቬንዙዌላ ድሕሪ ዝፈጸመቶ ሰፊሕ ወታደራዊ ወፍሪ ኮይኑ፡ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ኒኮላስ ማዱሮ፡ ብፍሉይ ናይ ኮማንዶ ሓይሊ ኣመሪካ ተታሒዙ፡ ንፍርዲ ናብ ኒውዮርክ ምውሳዱ ንቀልቢ ዓለም ስሒቡ ዝርከብ ጉዳይ ኮይኑ፡ ሩስያ ብኣንጻሩ፡ ኣመሪካ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ብምቅዋም መራኽብ ውግእ ናብቲ ዞባ ተጸግዕ ምህላዋ”ዩ ዝንገር።
ሰራዊት ኣመሪካ ብዘይካ”ቲ ጸረ ነፈርቲ ኣጽዋር፡ ፍርያት ሩስያ ዝኮነ ኤስ-300 (S-300) ዝተባህለ ናይ ርሑቕ ርሕቀት ሚሳይል ዝከላኸል ዘመናዊ ኣጽዋር ውን፡ ኣብቲ ዝወሰዶ ቅልጡፍ ስርሒት ከም ዘደምሰሰ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ንዓለም ኣብ ክልተ ደንበ ከፊልዋ ዘሎ ናይ ቬንዝዌላ ኩነታት፡ ምንጪ ዘይዓርፍ ምፍጣጥ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዓለም ከይከውን”ዩ ዝስጋእ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ቬንዙዌላ ከቢድ ወታደራዊ ምንቅስቃስ ዝርአ ምህላው ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ክጻወር ዘይምኽኣሉን፡ ብስጉምቲ ሰራዊት ኣመሪካ ምዕናዉን፡ ኣብ መንጎ ሞስኮን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ብዝኸፈአ መልክዑ ኣጋዲድዎ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።