እስራኤል ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣቢላ፡ ሉኡላዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ ድሕሪ ምእዋጃ፡ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ሶማሊላንድ ከምዘካየደት ተገሊጹ።
ሎሚ ናብ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ሶማሊላንድ ዝተራኸበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳእር፡ ከይደንጎየ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ዝተገብረ ወግዓዊ ምብጻሕ፡ እስራኤል ኣብ 26 ታሕሳስ 2025 ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ካብ እትህባ ንድሓር፡ ብመንገዲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝተገብረ ፈላሚ ወግዓዊ ርክብ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳእር፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን (ዒሮ)፡ ኣብ ሶማሊላንድ ፈላሚ ወግዓዊ ምብጻሕ ምክያደይ ዓቢ ክብሪ ይስመዓኒ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሶማሊላንድን ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድና ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኮነንን፡ ንዓለም ውን መልእኽቲ ምኳኑን”ዩ ዝገልጽ።
ንፕረዚደንት ዓብዲራሕማን ዒሮ ሓዊስካ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ ሰበሰልጣን ሶማሊላንድ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳእር፡፡ እስራኤልን ሶማሊላንድን ሓድሕደን ከም ልኡላውያን ሃገራት ዝምድና ምግባረን፡ ከሙኡ ውን እስራኤል ሃገርነት ሶማሊላንድ ምእዋጃን፡ ናብ ዝኾነ ይኩን ወገን ዘነጻጸረ ዕላማ ከምዘይብሉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዒሮ ብወገኑ፡ ድሕሪ 34 ዓመት ዝተፈጸመ ታሪካዊ ምብጻሕ እስራኤል፡ ብጣዕሚ ከምዘሐጎሶ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ሃገራዊ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ኣብ 26 ትሕሳስ 2025 ዝወሰዶ ታሪኻዊን ተባዕን ውሳነ፡ ሶማሊላንድ ኣዝያ ከምእተክብሮ ብምጥቃስ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳእር፡ ምስጋኑኡ ኣቅሪቡ።
ሶማሊላንድ እምንቲ ሓላፍነታዊት መሻርክትና”ያ ዝበለ ሚኒስተር ጊዶዎን፡ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምርግጋጽን፡ ኣድማዒ ሽርክነት ኣብ ምጎንጻፍን ዓቢ ተራ ከምዘለዋ”ዩ ዝገልጽ።
ድሕሪ ውሳነ እስራኤል፡ ንቻይና ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ሓዊስካ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለምን ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ኣካል ሶማልያ ንዝኮነት ሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ፡ ኣብ ፖለቲካ ሶማልያን፡ ዘይምርግጋእ እቲ ዞባን ክህልዎ ዝክእል ኣሉታዊ ሳዕቤት ከም ስጋኣት ብምቅማጥ፡ ንሓደገኛ ውሳኔ እስራኤል እኳ እንተተቃወሙ፡ ባኣንጻሩ እስራኤል ምስ ሶማሊላንድ ዝፈጸመቶ ስምምዕ፡ ኣንጻር ዝኮነ ይኩን ወገን ዘተኮረ ዕላማ ከምዘይብሉ”ያ ትገልጽ።
ሞቓድሾ ዝመደበሩ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሶማልያ ኰነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ዩ ብምባል፡ ነቲ ብእስራኤል ዝተወስደ ውሳነ ዝኮነነ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን ዒሮ ብወገኑ፡ ሶማሊላንድ ድሕሪ 34 ዓመታት ኣብ “ታሪኻዊ ህሞት” ካብ እስራኤል ዝረከበቶ ዝግባኣ መሰል ኣፍልጦ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ንመግዛእታዊ ዶባት ኣፍሪቃ ዘክብር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ምዃና ዘነጽር መርገጺ ምውሳዱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዝዀነ ይዅን ንሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ንምድኻም ዝግበር ፈተነ፡ ንመሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጻረር ብምኳኑ፡ ኣብ ምዝራግ ሰላምን ምርግጋእን ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ጽልዋ ዝፈጥር ሓደገኛ ቅድመ-ኵነት ዘቐምጥ ሓደጋ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣቐዲማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ መብጽዓ ኣትያ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ንውሳነ እስራኤል ብዝምልከት ዝዀነ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንምፍራስ ኢትዮጵያ ተላዒሉ ምህላዉ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ምግላጽ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ምብትታን ሶማልያ ዘቀላጥፍ ብምኳኑ፡ ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት “ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ” ምጽውዑ ኣይርሳዕን።
ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሕልናዊ ሓላፍነት ክትስከምን፡ እስራኤል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ “ዘየማትእ ምላሽ” ኣብ ምሃብ ኣጃማ ክትጻወትን ዝጸውዐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጉዳይ ሶማሊላንድ ምስ ጉዳይ ታይዋን ብምትሕሓዝ ንቻይና ሓላፍነት ከሰክም”ዩ ጸዊዑ ዝርከብ።
እቲ “ጸወታ” ንሓያሎ እዋን ክጥጃእ ዝጸንሐ፡ ሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዘስዕብ ዕንወት ዘለዓዕል ውሳነ ምኳኑ ዝጠቀሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስም እስራኤልን ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚ ናታንያሁን ኣብ ዘይጠቀሰ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ቻይና ጉዳይ ታይዋን ኣብ ግምት ብምእታው ስጉምቲ ክትወስድ”ዩ ጥርዓኑ ዘቅርብ።
ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ሕግን፡ ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል መሬት ሶማልያ ምኳና ብንጹር ዝተቀመጠ ኮይኑ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእትኣ ወርሒ ታሕሳስ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሶማልያ እትርከበን ሓያሎ ኣባል ሃገራት፡ እስራኤል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ከም ዝቃወማ ገሊጸን ምምባረን ዝዝከር”ዩ።