ምስ መራሒ ኢራን ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ዝርከብ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ኢራን ክስደድ’ዩ ምባሉ፡ ንብርክት ዝበሉ ኢራናውያን ኣብ ፈንጠዝያ የእትዩዎም ምህላኡ ተገሊጹ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብታ ሃገር ወጽዩ ስደተኛ ክኸውን”ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ መራሒ “ንንጹሃን ዜጋታት ዒላማ ዝገበር መጥቃዕቲ ክፍጽም እንተፈቲኑ፡ ኣመሪካ ብቅጽበት ናብ ኢራን ከምእታኣቱ”ዩ ኣብቲ ናይ መጠንቀቅታ መልእኽቱ ዝገልጽ።
ኢራናውያን ዝሓትዎ ዘለዉ ለውጢ ስርዓት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክረጋገጽ’ዩ፡ ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተረዳእናዮ ውን እቲ ኩነታት ኣብ ቀረባ ግዜ ጋህዲ ክኸውን ከምዝኮነ’ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካሚኒ ተርፍዎ ዘሎ ዕጭ ብሰላም ካብታ ሃገር ምውጻእ ጥራሕ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
እዚ ሕጂ ኣብ ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ቅድሚ ሕጂ ማንም ርእይዎ ዘይፈልጥ ኩነታት’ዩ ዝበለ ትራምፕ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኢራን ክስደድ ምኳኑ ብርእሰተኣማንነት ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣመሪካ ንጉዳይ ኢራን ብቅርበት ትከታተሎ ምህላዋ”ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኣያቶላህ ኣሊ ካሚኒ፡ ሰለማውያን ሰልፈኛታት ክቐትል እንተጀሚሩ፡ ኣመሪካ ዘየዳግም ስጉምቲ ክትወስድ”ያ ኣብ ምባል ዝቀነየ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንቓላቱ ትማሊ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ውን ክደግሞ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ ቃለ መሕትቱ፡ እንታይ ከምዝበልናዮም ብዝግባእ ይፈልጡ እዮም ድሕሪ ምባሉ፡ ዝበልናዮም እንተዘይጌሮም ግን ናብ ሲኦል ክወርዱ ምባሉ፡ ንህዝቢ ኢራን ዓቢ ፍናን ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።