ኡጋንዳ ብምኽንያት መንግስታዊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ክልተ መዓልታት ናይ ዝቅጽል ሰሙን ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ኮይኑ ክውዕል ምእዋጃ ኣፍሊጣ።
ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቪኒ 15ን 16ን ጥሪ 2026፡ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክኾና ዝወሰኑሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኵሎም ድምጺ ዝህቡ ዜጋታት መሰሎም ክጥቀሙን፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ናብ መውሃቢ ድምጺ ቦታታቶም ክጓዓዙን ዕድል ንምሃብ ምኳኑ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ኣብ ክልቲኤን መዓልታት 15ን 16ን ጥሪ፡ ዝኮነ ይኩን ስራሕ ከምዘይህሉ”ዩ ዝነግር።
ናይ ፕረዚደንትን ኣባላት ፓርላማን ሓፈሻዊ ምርጫ ኡጋንዳ፡ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሑ ካብ 15 ጥሪ ኣትሒዙ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ነታ ሃገር ኣብ ምምራሕ ዝርለብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፡ ተወሳኺ ናይ ስልጣን ዘመን ንምርግጋጽ፡ ኣብ’ቲ ውድድር ክሳተፍ ምኳኑን፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ውን ሓያል ውድድር ክገጥሞ ከምዝኽእልን’ዩ ዝግመት።
ብመሰረት ኣዋጅ መንግስቲ ሚሴቬኒ፡ ኣብዘን ክልተ መዓልታት ንግዳዊ ምንቅስቃስ እታ ሃገር ደው ክብልን፡ ንኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ሓዊስካ መብዛሕትኦም ብሕታውያን ትካላትን ውን ተዓጽየን ከምዝውዕላን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምሴቬኒ ደጊሙ እንተተዓዊቱ፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ቁጠዐ ከይፈጥርን፡ ህዝባዊ ዕግርግር ከይለዓልን ከፊላዊ ስጋኣት ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
በዚ መሰረት ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ጽኑዕ ናይ ጸጥታ ምክትታል ይግበር ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣብ ሰዓቱን ዕለቱን ሕጋዊ መንነቱ ሒዙ ናብ ድምጺ ምርጫ ክቀርብ”ዩ ኮምሽን ምርጫ ኡጋንዳ ዘተሓሳስብ።
ናይ 2026 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ፡ ንመጻኢ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኡጋንዳን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ዝእመነሉ ኮይኑ፡ ሙሴቬኒ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተቀመጠ ውልቀመላኺ ብምኳኑን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወደቐ ብምምጹኡን፡ ህዝቢ ኡጋንዳ ንምምራጽ ሙሴቬኒ ከም ቀደም ብደስታ ክቅበሎ ከምዘይኮነ”ዩ ዝእመን።