ብጉዳይ ምንቁልቋል ዋጋ ባጤራ ኣብ ተቓውሞ ዝርከቡ ኢራናዊያን ዜጋታት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንዘውጾኦ ኣዋጅ ብምጥሓስ፡ ቐዳም ሰንበት ውን ናብ ጎደናታት ብምውጽእ ተቓውሞታት ከስምዑ ምውዓሎምን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ውን ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድሉውቲ’ያ ክብል ደጊሙ ምዝራቡን ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብውሕዱ 100 ሰባት ብኣካላት ጸጥታ ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ብዙሓት ከም ዝተጐድኡን ጸብጻባት ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ ሰዓት፡ እቲ ተቓውሞታት ግን ሕጂ ውን ብዝሓየለ መልክዑ ይቅጽል ብምህላዉ፡ ቁጽሪ ምዉታት ክዛይድ ከምዝክእል”ዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣንጻር ሰልፈኛታት ዝወስዶ ዘሎ ጎነጻዊ ስጉምቲ ኣሐይሉ ይቕጽሎ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኢራን፡ ዝኾነ ይኹን ኢራናዊ ናብዚ ተቓውሞ ምስ ዝጽንበር፡ ከም ጸላኢ ኣምላኽ ክቑጸር’ዩ፡ በዚ ገበን እዚ ከኣ ብሞት ክቕጻዕ ይኽእል እዩ ብምባል ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ትራምፕ ውን ደጊሙ መጠንቀቅታ ምስዳዱ”ዩ ዝንገር።
ኣኽባሪ ሕጊ ሞሓመድ ሞቫሄዲ ኣዛድ ብቐዳም ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ፡ ዝኾነ ይኹን ተቓዋሚ “ጸላኢ ኣምላኽ እዩ” እዚ ድማ ብሞት ዘቕጽዕ ገበን’ዩ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ራዕዲ ንምስፋን ዝኸውን ቃላት ምጥቃሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ነዚ ቃል ስዒቡ መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢራን ናብ ሲቭል ዜጋታት ብረት ምቅናዕ እንተጀሚሮም፡ ኣመሪካ ብምሉእ ሓይላ ናብ ኢራን ከም እታኣቱ”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንኢራን እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ወተሃደራዊ ነቑጣታት እስራኤል፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ወተሃደራውን ምስ መራኽብ ዝተኣሳሰሩ መሳለጥያታትን ኣመሪካ፡ ዒላማታት ሕነ ምፍዳይ ከም ዝኾኑ ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ እቲ ተቓውሞ እንዳሓየለ ይከይድ ብምህላዉ፡ ንኢራን ኣመሪካን እስራኤል ዝሓወሰ ሓደገኛ ኲናት ከይውላዕ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።