ኢትዮጵያን ቻይናን፡ ኣብ ጉዳይ ሉኡላዊ ግዛኣት ታይዋንን፡ ድላይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣመልኪተን፡ ክልተኣዊ ስምምዕ ምፍጻመን ተገሊጹ።
ኣብ 2026፡ ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ቻይና ኢትዮጵያ ንእተልዕሎ ዘላ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብዘኽበረ መስርሕ ምትእስሳር ክዉን ንክከውን፡ ዘለዋ ደገፍ ልዑል ምኳኑ ኣብ ዝገለጸሉ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ታይዋን ፍጹም ዘይፍለ ሉኡላዊ ግዛኣት ቻይና ክትብል ከተረጋግጽ እንከላ፡ ቻይና ብወገና ብዛዕባ ድሌት “ኣፍደገ ባሕሪ” ኢትዮጵያ ኣልዒላ ተዛሪባ።
ሚኒስተር ዋንግ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ጊዴዎን ጢሞቴዎስን፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ተራኺቡ ምዝታዩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስ ኣብይን ጊዴዎንን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ዘጠቓለለ ዘተ ከምዘካየደ’ዩ ትማሊ ዓርቢ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ ዘመልክት።
ብመሰረት መግለጺ ክልቲአን ሃገራት፡ ቻይና ስትራተጂካዊ ፖሊሲታት ልምዓት ንምውህሃድ ንምሕያልን፡ ኣብ ምምሕዳር መንግስቲ ተመኩሮ ንምልውዋጥ ንምትብባዕን ከምዝተሰማምዐ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ቻይናዊ ሚኒስተር ብወገኑ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊ ኵነታቱ ብዝሰማማዕ መንገዲ፡ ልምዓታዊ ዓወት ንምምዝጋብ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ሃገሩ ብጽኑዕ ከምእትድግፍ እዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ጉዳይ ታይዋን ንቻይና ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ኣረጋጊጻ ዘረጋገጸት ኮይና፡ ታይዋን ፍጹም ዘይፍለ ሉኡላዊ ግዛኣት ቻይና”ዩ ዝበለት ኮይና፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንጹር መርገጺ ከምእትውንን ንሉኡላዊ ግዛኣት ቸይና ከምእተክብርን”ያ ገሊጻ ትረከብ።
ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝሰርዓቶ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ኣብታ ደሴት ኲናት ከተካይድ ትኽእል እያ ንዝብል ስክፍታታት የዕብይዎ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወጥሪ’ዚ ኣብ ዘለወሉ ኵነታት ምስ ቻይና ኣብ ስምምዕ ዝበጽሐት ኢትዮጵያ፡ ንጽኑዕ መትከል ሓንቲ ቻይና ዘለዋ ተወፋይነት ደጊማ ከምዘረጋገጸትን፡ ኣብ ዓለም ሓንቲ ቻይና ጥራይ ከምዘላ ታይዋን ከኣ ዘይትፍለ ኣካል መሬት ቻይና ምዃናን ነቲ ሚኒስተር ምግላጻ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ንዝቀርብ ጠላባት ኢትዮጵያ ክትድግፍ ምኳና ቃል ዛኣተወት ቻይና፡ እቲ ድሌታት ሉኡላውነት ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ዝከውን ክትብል ምጥቃሳ ግን፡ ኢትዮጵያ ወራር ክትፍጽም እንተሓሰበት ውን፡ ቻይና ክትድግፋ ከምዘይኮነት”ዩ ዘመልክት።