ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተደፊኡ፡ ናብ ፖርት ሱዳን ግዒዙ ዝጸንሐ መንግስቲ ሱዳን፡ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ዓመት ናብ ካርቱም ምምላሱ ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2023 ድሕሪ ዝተወለዐ ግጭት፡ ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተደፊኡ፡ ናብ ወሰናስን ከባቢ ፖርት ሱዳን ምግዓዙ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ልዕሊ”ቲ ብሓምዳን ደጋሎ ሒሚቲ ዝምራሕ ዕጡቅ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ጸብለልታ ክወስድ ብምካኣሉ፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ናብ ዝርከብ ሕጋዊ ቤትጽሕፈት ይምለስ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝነተጎን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ጸገታት ሱዳን መሰረት ዝገበረ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝዝወርን ኲናት ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ ኵናት፡ ሰራዊት ሱዳን ነታ ከተማ ገዲፍዋ ብምውጻእ፡ ንፖርት ሱዳን ከም ግዝያዊት ርእሰ ከተማ ክግልገለላ ድሕሪ ምጽንሑ”ዩ፡ ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ናብ ካርቱም ተመሊሱ ዝርከብ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2025፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብታ ከተማ ዓስኪሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ዳዕመልሰሪዕ ብምጽራግ፡ ንከተማ ካርቱም ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸራ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር መንግስቲ ሱዳን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ፖርት ሱዳን ምጽንሑ”ዩ ዝፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ከማል እድሪስ፡ ምምላስ መንግስቲ ሱዳን ናብ ከተማ ካርቱም፡ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ገዚፍ ነጥበ መቐይሮ ሱዳን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን መንፈቅን ግዚያት፡ ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ከመሓይሹ ዝረኸብዎ ዕድል፡ ኣብ ዝግባእ መዓላ ከውዕልዎ ምኳኖም”ዩ ቃል ኣትዩ ዝርከብ።
ብመሰረት መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕናን ምህናጽ ሆስፒታላትን፡ ዳግመ ህንጸት ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲታትን፡ ምምሕያሽ ኩነታት ድሕንነትን መነባብሮን ዜጋታት፡ ቀዳምነታት ተዋሂብዎ ዝስርሓሉ ኮይኑ፡ ብመሰረት ተሰሊዑ ዘሎ ባጀት፡ ምርግጋእ ቁጠባ ህዝቢ ሱዳን፡ ምምሕያሽ ውድቀት ባጤራ እቲ ሃገርን፡ ፋይናንሳዊ ደገፋት ምርግጋጽን ውን ገለ ካብቲ ዓበይቲ ውጥናት 2026 ምኳኑ”ዩ ዝነግር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ከማል እድሪስ፡ 2026 ንህዝቢ ሱዳን “ዓመተ ሰላም” ክትኮነሉ ዘለዎ ትምኒት ድሕሪ ምግላጹ፡ ሱዳን ኣብ ውሽጢ እዚ ሓደ ዓመት 10% ዕብየት ቁጠባ ንምምዝጋብ ክትዓዪ ምኳና”ዩ ንህዝቢ ሱዳን ኣበሲሩ ዝርከብ።
ምምላስ መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ መሰጋገሪ ባይቶ መሰጋገሪ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ድሕሪ ዘውጽኦ ኣዋጅ እተፈጸመ ኰይኑ፡ መንግስትን ትካላትን ሱዳን ዳግማይ ኣብታ ከተማ ንምውቃር፡ ኮሚተ ተጣይሱ ይስርሓሉ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ 2023 ድሕሪ ዝተወለዐ ደማዊ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን፡ ልዕሊ 100ሽሕ ዜጋታት ሱዳን ምውሳዱን፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ክመዛበል ምግባሩን ዝዝከር”ዩ።