ንገዛእ ርእሳ ከም ናጻ ሃገር እትቘጽር ሶማሊላንድን፡ ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ጁባላንድን፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማል ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበሮ ስምምዓት ወደባት ንምብታኽ ዝወሰዶ ውሳነ ከምዘይቅበሎኦ ብምግላጽን ነጺገኖኦ።
መንግስቲ ፌደራል ሶማል ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስልጣን ከም ዘይብሉ እትገልጽ ሶማሊላንድ፡ ንውሳነ መቃድሾ መንግስቲ ከምዘይትቅበሎ ዝገለጸት ኮይና፡ ፑንትላንድ ብወገና፡ ውሳነ ሞቃድሾ ተግባራዊ ክከውን ዘይክእል ባዶን ፍሹልን ውሳነ ምኳኑ ብምጥቃስ ንውሳነ”ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ከምዘይትህቦ”ያ ትገልጽ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብመንገዲ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቢሉ፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተገብረ ክልተኣዊ ስምምዓት፡ ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ብሰኑይ 12 ጥሪ 2026 ምፍላጡ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ንስርሓት ወደባት፡ ትካላት መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝግበር ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን ዝምልከት ስምምዓት፡ ከምዘይምለከተን”የን ሶማሊላንድን ጁባ ላንድን ዝገልጻ።
ብመሰረት መግለጺ መንግስቲ ፈደራል ሶማል፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዘተኰረ ስምምዓት፡ ኣብ ሶማሊላንድ ንዝርከብ ወደብ በርበራ፡ ኣብ ፑንትላንድ ንዝርከብ ወደብ ቦሳሶ፡ ኣብ ጁባላንድ ንዝርከብ ወደብ ኪስማዮ’ን ዝምልከት ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ግን ንውሳነ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘይቅበሎኦን፡ ኣብ ሉኡላዊ ግዛኣተን ናይ ምውሳን ስልጣን ከምዘይብሉ ብምጥቃስ”የን ብወግዓዊ መግለጺ ንመንግስቲ ሶማል ዝኩንና።
ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ መግለጺኡ፡ ፌደራላዊ ትካላት ኣካል ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ንዝዀና ክልላትን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ፡
ውሳነ መንግስቲ ፌደራል ልኡላውነት ሃገራውን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ንምሕላው ኣገዳሲ ምኳኑ”ኳ እንተገለጸ፡ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ግን ተቀባልነት ከምዘይብሉ”የን ዝገልጻ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣስዒቡ፡ ኢማራት ዓረብ ንናጽነትን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሶማልን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ሓደገኛ መንገድታት ኣብ ምኽታል ምህላዋ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ኢማራት ዓረብ ክሊ ኣየር ሶማል ንከይትጥቀም ውሳነ ምሕላፉ ኣይርሳዕን