ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተገብረ ነዊሕን ፍረ ኣልቦን ቃለመሕተት ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ልዕሊ”ቶም ብዕሙት ዝድግፍዎ ደገፍቱ፡ ከቢድ ነውጽን ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒትን ምፍጣሩ ተገሊጹ።
ካብ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ፡ ፍቅሪ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዘቀድሙ ተበለጽቲ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቃለመሕተት ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ 2026 ልምዓታዊ መደባት፡ ዳግመ ህንጻ ሃገር፡ ናይ ወፍሪ ዕድላት፡ ኣባይቲ ናይ ምህናጽን ምዕዳል መስርሕን፡ ፖለቲካዊ ለውጥን ካልእን ዝረጋገጸላ፡ ናይ መቀይሮ ዓመት ክትኸውን ምኳና ከበስሮም ብተስፋ ክጽበዩን፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ውልቀመላኺ ዘለዎም ዝተፈልየ ቦታን ክገልጹ ምቅናዮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ዝኮነ ይኹን ሓባሪ ኣንፈት ዘይብሉ ተራ ፖለቲካዊ ትንተና ዝመስል ቃለመሕተት ግን፡ ኣብ ከቢድ ነውጽን ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒትን ምውዳቆም”ዩ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ዘሎ ምስክርነት ዘረድእ።
ተበለጽቲ ደገፍቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ዓመተ 2026 ጉጅለ ህግደፍ ለውጢ ክገብረላ ዝኽእል ዓመት ምኳና ብምእማን፡ ካብ ቅድሚ ሰሙናት ኣትሒዞም ብዛዕባ”ቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ክህቦ ዝኽእል ቃለመጠይቅ ባዕላዊ ትንተና ክህቡን፡ በይኖም ጥራሕ ዝሓስብዎ ግምታት ከቀምጡን ምቅናዮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ልዕሊ 50 ደቃይቅ ብዛዕባ ዕብለላ ኣመሪካ ዝተዛረበ ውልቀመላኺ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ምፍሻሉን፡ ዝቅጽል ኣርባዕተ ዓመታት ውን ገና ናይ ፈተነ ዓመታት ምኳኑን ብዘአንፍት ቃላት፡ ኤርትራ ኣብ 2026 እተረጋግጾ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ለውቲ ከምዘይህሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ከቢድ ናይ ውርደት ስምዒይ ኣትዮም ምህላዎም”ዩ፡ እቲ ካብ ኣፎም ዝወጽእ ዘሎ ቃላት ዝምስክር።
ብጉጅለ ህግደፍ ክትፈርስ ያ እናተባህለት እትግለጽ ኢትዮጵያ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዓበይቲ ናይ ልምዓት መደባት ክትሕንጽጽን፡ ኣደናቂ ፕሮጀክት ክትሃንጽን ዝዕዘቡ ዘለዉ ደገፍቲ እቲ ውልቀመላኪ፡ መራሒ ኢትዮዕያ ኣብይ ኣሕመድ ብቃላት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ክጽረፍ ብምስምዖም ጥራሕ ዝያዳ ክሕጎሱን ነቲ ውልቀመላኺ ክውድሱን ምራኣይ ንባዕሉ፡ ልዕሊ”ቲ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝግቦኦ ልምዓታዊ ዕብየት፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ውልቀመላኺ ዘለዎም ጽሉልን ፍሹልን ፍቅሪ ዘንጸባርቅ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ስምዒታቶም ንምሓባእ ነዊሕ ርሕቀት እኳ እንተተጓዕዙ፡ ዝኮነ ይኹን ተስፋ ዘየቐመጠ ናይ 2026 ቃለመሕተት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ግን፡ ኣብ ከቢድ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒት ክወድቁ ጌርዎም ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ወርቃዊ ዕድመ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብመግዛእቲ ጉጅለ ህግደፍ ክበሊ እንዳተዓዘቡ፡ ኣብ ኤርትራ ገዛ ክሰርሑን ወፍሪ ከንቀሳቅሱን ጥራሕ ዝምነዩ ተበለጽቲ ደገፍቲ ምልኪ ሃገርና፡ ካብ ቃላት ኢሰያስ ጥዑም ነገር ተጸብዮም ንሰሙናት ጭንን ክብሉ ምቅናዮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኤርትራ ንዝቅጽል 5 ዓመታት ዝኮነ ይኹን ናይ ለውጢ ዕድላት ክህልዋ ከምዘይኮነ ካብ ቃል እቲ ውልቀመላኽ ምስምዖም፡ ክጻወርዎ ተጸጊሞም ክሳብ ቃላት ክድርብዩ ምጅማሮም”ዮ እቲ ዝርአ ዘሎ ምስክርነት ዘረጋግጽ።