ኣብ ሊብያ ሬሳ 21 ስደተኛታት ዝሓዘ ጋህሲ ከምዝተረኸበ ትማሊ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቶም ግዳያት ብሰንኪ ዝወረዶም ከቢድ ማህረምትን ሕማምን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኢሰባኣዊ ተግባራትን ብግልጺ ዘግህድ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
እቲ ጋህሲ ኣብ ሰንቢል ከባቢ ኢጅዳብያ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተኛታት መኽዘናት ከምዝተረኸበ ዘረደአ እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት መብዛሕትኦም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ዩ ዝግመት።
ብዙሓት ካብኣቶም ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ዝጸንሑን ብሰንኪ ጥሜትን ግፍዕን ዝደኸሙን ምንባሮም ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ እዞም ተግባራት እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ብደላሎን ዕጡቓት ጉጅለታትን ከምዝፍጸሙን፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ሰኣን ዘይምካኣሎም ናይ ሞት ዕጫ ከምዝወረዶምን”ዩ ዝጠቅስ።
ዓለምለካዊ ትካል ስደተኛታ ብዛዕባ እዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝሞቱ ስደተኛታት ሓበሬታ ንምእካብ ይጽዕር ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ገበርቲ እከይ ዝኮኑ ነጋዶ ደቂሰባት ንምሓዝን ንምቅላዕን፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብርን፡ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ክተሓባበርን ጻውዒት ምቅራቡ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።