ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምስግጋር ተጸሚዱ ምህላዉን፡ ዝተላእከ ጠያይት ከምዝሓዘን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝመልክቶ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዕጡቃት ጕጅለታት ኢትዮጵያን ብምትሕብባር፡ ካብ ኤርትራ ዝለኣኮ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ካኣቱ ከም ዝሓዘ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ግዜ ዝተሰምዐ ክሲ፡ ነቲ ኩነታት መሊሱ ከጋድዶ ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ሻዕብያ ክብል ዝገለጾ ንጉጅለ ህግደፍ፡ ምስቲ ጽንፈኛ ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓትን ስሙ ዘይተጠቅሰ ታሪኻዊ ናይ ደገ ጸላኢ ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ሽበራ ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ዝኸስስ ኮይኑ፡ ብጉዳይ ሩባ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸረረ ምትፍናን እትርከብን ግብጺ፡ እታ ከም ታሪኻዊት ጸላኢት ኢትዮጵያ እትረአ ሃገር ምኳና”ዩ ዝእመን።
እቲ ብመንገዲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰ ጠያይት፡ ብ13 ጥሪ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ወልድያ ከምዝተታሕዘ ፈደራል ፖሊስ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስንቂ ካብ ኤርትራ ተበጊሱ ብትግራይ ኣቢሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከቡ “ኣኽረርቲ” ዝበሎም ሓይልታት ፋኖ፡ ይሰጋገር ምንባሩ”ዩ መግለጺ ፖሊስ ወሲኹ ዝሕብር።
ነቲ ኣጽዋር ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ከም ዝተታሕዙን፡ ብዝተገብረሎም መባእታዊ መርመራ ውን፡ እቲ ጠያይት ካብ ጉጅለ ህግደፍ ንህወሓት ተዋሂቡ ዝሰጋገር ምኳኑን፡ ብመቐለ ኣቢሉ ናብቲ ዕጡቓት ፋኖ ዝርከብዎ ሽዋሮቢት ዝተባህለ ከባቢ ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ከምዝተታሕዘን”ዩ ዝገልጽ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቃሉ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም ብወገኑ፡
እቲ ብመንገዲ መንግስቲ ፈደራል ዝቀረበ ክሲ ተቀባልነት የብሉን ድሕሪ ምባሉ፡ ምስ ትግራይ ህወሓት ይዅን ሰራዊት ትግራይ ዝዀነ ይዅን ምትሕሓዝ ዘይብሉ፡ ጭቡጥ መርትዖ’ውን ክቐርበሉ ዘይክእል ውጹእ ጸለመ”ዩ ክብል’ዩ ገሊጽዎ ዝርከብ።
እዚ ዝጸንሐ ናይ ምንዋር ሜላታት ምዃኑ ዝጠቀሰ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም፡ በቲ ሓደ ገጽ ካብ ውሽጣዊ ኵነታቶም ንምህዳምን፡ ኣጀንዳ ንምፍጣርን፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ንዘይተፈጸመ ጉዳያት ከም መመኽነዪ ዘቕርብዎ ምኳኑ ብምጥቃስ”ዩ ነጺግዎ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዕለት 14 ጥሪ ዝቀረበሉ ክሲ ኣመልኪቱ ዝኮነ ይኩን ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ምቁጣቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ ግን ብመንገዲ ሚኒስተር ሓበሬታ ናይቲ ጉጅለ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ርእይቶ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ርኡይ ሃቐነ ብምባል፡ ንሰልፊ ብልጽግና ዘቆናጽብ ግብረመልሲ ምሃቡ ኣይርሳዕን።
ኢትዮጵያ ክትወረና ትዳሎ ኣላ፡ ኲናት ይመጽእ ኣሎ፡ ባሕርና ንሓሉ ወዘተ እንዳበለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይዓርፍ ናይ ኲናት ሃዋሁ ተኣሲሩ ንክነብር ኣብ ምድኻም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንግስቲ ብልጽግና ካብ ኢትዮጵያ ንምውጋድ፡ ኩሉ ዓይነት ጸጋታት ሃገር ተጠቒሙ ኣብ ምህላኽ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ብልጽግና ዝንቀሳቀሱ ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖ ኦነግን ህወሓትን፡ ሰፍ ዘይብል ገንዘባውን ወተሃደራውን ደገፋት ካብቲ ጉጅለ ይረኽቡ ብምህላዎም ዝፍለጥ”ዩ።