ብቃላት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስጋኣት ዛኣተዋ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ዳህሳሳዊ ተልእኾ ብዝተሰምየ ወፍሪ፡ ዝተወሰኑ ወተሃደራት ናብ ግሪንላንድ ኣብ ምውፋር ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፈረንሳ ውን ብወገና ንእስ ዝበለ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ግሪንላንድ ኑክ ከምዝለኣከት ገሊጻ።
ጀርመን፡ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድ፡ ነዘርላንድስን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሳትፍ ውሱን ወተሃደራዊ ሰራዊት፡ ድሕሪ”ቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘልዓሎ ጉዳይ፡ ናብ ግሪንላንድ ኣትዩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ፈረንሳ ዝተላእከ ናይ መጀመርታ ዕጡቅ ጕጅለ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝለኣኽ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ሓይሊ፡ ክድልድል ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ፈረንሳ ማኑዌል ማክሮን ዝገልጽ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኦሊቨር ፖይቭረ ዲ ኣርቮር ብወገኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ተልእኾ ሓያል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ክፋል ዴንማርክ ዝዀነት ደሴት ግሪንላንድ ንዘቕርቦ፡ ናይ ይግብኣኒ’ዩ ሕቶ ስዒቡ ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ህላወ ኔቶ ንኣሜሪካ እንርእየሉ መድረክ ክኸውን”ዩ ብምባል”ዩ ዝገልጾ።
ፖይቭረ ዲ ኣርቮር ኣብ መግለጺኡ፡ ሚኒስተራት ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክን ግሪንላንድን፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ንምርኻብ፡ ናብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምኻዶም፡ ፈረንሳ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ 15 ወተሃደራት ዝሓዘ ናይ መጀመርታ ሓይሊ ኣብ ግሪንላንድ ከምዘዋፈረት ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዝተካየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክ ላርስ ሎከ ራስሙሰን፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝተካየደ ክልተኣዊ ዝርርብ፡ ሃናጺ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት መሰረታዊ ዘይምርድዳእ ምህላዉን፡ ትራምፕ ንግሪንላንድ ክገዛኣ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ውን ከምዘቆጥዖምን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ግሪንላንድ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ኣመሪካ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ መሰረት ዝገበረ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ግሪንላንድ ተድልየና’ያ ኣብ ዝብል ቃላቱ ሓይሊ ከም ዝቀጥም እኳ እንተዘይገለጸ፡ ምስ ዴንማርክ ገለ ነገር ክስራሕ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ግን፡ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ቃል ምግላጹ ኣይርሳዕን።
እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ ሩስያ ወይ ቻይና ንግሪንላንድ ክቆጻጸራኣ ምስ ዝደልያ፡ ዴንማርክ ዝኮነ ናይ ምግባር ዓቅሚ የብላን ዝበለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሕና ግን ኩሉ ነገር ክንገብር ከምእንክእል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቬንዝዌላ ዝተዓዘብኩሞ ምስክር”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ግሪንላንድ ንድሕነት ኣመሪካ ግድን ኣድላይት ምኳኑ’ዩ ደጊሙ ገሊጹ ዝርከብ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮ-ሊን ሊቪት ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናብ ግሪንላንድ ዝወፍር ዘሎ ሰራዊት ኤውሮጳ፡ ኣብ መስርሕ ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ጽልዋ ዝህልዎ ኣይመስለንን ዝበለት ኮይና፡ ብመሰረት ዝሃበቶ መግለጺ ትራምፕ ዝከዶ ዘሎ ናይ (America first) ኣመሪካ ቀዳምይቲ ኣካይዳ፡ ዓለማዊ ቀውሲ ከኸትል ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ቃሉ ዝሃበ ቀዳማይ ምኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ ብወገኑ፡ ሃገሩ ፖላንድ ግሪንላንድ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ሃገራት ኤውሮጳ ክትጽንበር፡ ዝኮነ ይኩን መደብ ከም ዘይብላ እኳ እንተገለጸ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ግን፡ ዓቢ ፖለቲካዊ ሓደጋ ክፈጥር ከምዝኮነ ብምጥቃስ፡ ኣባል ኔቶ ዝኮና ሃገራት፡ ሉኡላዊ ግዛኣተን ብኻልእ ኣባል ኔቶ ዝኮነት ሃገር ክድፈር እንተጀሚሩ፡ መወዳእታ ዓለም ክገሃድ ምኳኑ ብምጥቃስ’ዩ ስጋኣቱ ዘቀምጥ።