ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀመላኺ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቨኒ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ብምኳን፡ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዘናውሐ ተገሊጹ።
ኮምሽን ምርጫ ኡጋንዳ ኣብ መግለጺኡ፡ ፕረዚደንት ሙሴቨኒ 72% ድምጺ ብምርካብ፡ ናይ 2026 ዕዉት ፕረዚደንት ምኳኑ እኳ እንተኣወጀ፡ 25% ድምጺ ከምዝረኸበ ዝተገልጸ ተቓዋሚ ቦቢ ዋይን ግን፡ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተካየደ ምርጫ “ናይ ሓሶት ውጽኢት” ምኳኑን፡ ከምዘይተቀበሎን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ቦቢ ዋይን ኣብ ዘስምዖ ተቓውሞ፡ ነቲ ናይ ስርቒ ውጽኢት’ዩ’ ዝበሎ ምርጫ ዝኸውን ዝኮነ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘየቅረበ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰብመዚ ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ውን ንኽስታቱ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ከምዝተቆጠበ”ዩ ዝንገር።
ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየደቶ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ተዓዘብቲ ብምኳን ከምዝተሳተፉ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እቶም ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝተከታተልዎ ምርጫ፡ ድምጺ ከም ዝተሰረቐ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም ዘይተዓዘቡ ምግላጾም ንብዙሓት ዘገረመ እኳ እንተኮነ፡ ብውልቀመላኽቲ እትምራሕ ኣፍሪቃ ክሳብ ሎሚ ንዲሞክራስያዊ ምርጫ ተጸይና ትከይድ ምህላዋ ግን ትዕዝብቲ ዝፈጥር’ዩ።
ነቲ ውጽኢት ከምዘይተቐበሎ ብወግዒ ዘፍለጠ ተቓዋሚ ሙሴቬኒ ቦቢ ዋይን፡ ደገፍቱ ዘይጐነጻዊ ተቓውሞታት ንከካይዱ ጻውዒት ምቅራቡ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቀውሲ ወዲቑ ብምህላዉ ግን፡ እቲ ናይ ተቃውሞ ጻውዒት ሰዓቢ ክረክብ’ዩ ዝብል እምንቶ ዘይምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ወዲ 81 ዓመት ሽማግለ ኮይኑ ዝርከብ ሙሴቨኒ፡ ኣብ 1986 ከም መራሒ ዕጡቅ ተቓዋሚ ሓይሊ ኮይኑ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብውልቀመላክነት ን ኡጋንዳ ኣብ ምምራሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ዝተካየደ ስማዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ናይ ሎሚ ምርጫ ሓዊስካ ኣብ ሸውዓተ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ከምዝተዓወተ ብምእዋጅ፡ ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ምሕደሩኡ ቆሪንዋ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ናይ ፖፕ ድምጻዊ ነበር ወዲ 43 ዓመት፡ ቦቢ ዋይን ኣብ መግለጺኡ፡ ምስ ምርጫ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ጥራሕ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብውሕዱ 21 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ክልቲኦም ሓይልታት ንናይ መወዳእታ ውሳነ እቲ ኮምሽን፡ ብኣክብሮት ክቅበልዎ እኳ እንተሓተተ፡ ብወገን ሙሴቨኒ ሩኡይ ናይ ድምጺ ስርቂ ከምዝተፈጸመን፡ ህዝቢ ዘይጎነጻዊ መንገዲ ብምኽታል ተቓውሙኡ ከስምዕ’ዩ ናብ ደገፍቱ ጻውዒት ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ኪኖ እቲ ኣብ ማእከል ሃገራዊ ቈጸራ ዝነበረ ጽንብል፡ መብዛሕትኡ ጽርግያታት ርእሰ ከተማ ካምፓላ ውሑድ ሰብ ይንቀሳቀሶ ምንባሩን፡ ትካላት ንግዲ’ውን ተዓጽዮም’ዮም ምውዓሎምን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምንባሩን፡ ብርክት ዝበሉ ዝሞቱ ዜጋታት ምህላዎምን እኳ እንተተገልጸ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቁራጹ ግን፡ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ምንባሩ’ዩ ዝንገር።
ሰብ-መዚ መንግስቲ ሙሴቪኒ፡ ዝተወስደ ስጉምቲ ምቁራጽ ኢንተርነት፡ ግጉይ ሓበሬታ ንኸይዝርጋሕን ዘየድሊ ዕግርግር ንኸይልዓልን ካብ ዝብል ስጋኣት ዝብገስ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ምኳኑ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምኳኑን፡ ሓበሬታ ብምሕጻር ዝተገብረ ምርጫ ውን ንጽሩነት ከምዘይብሉ ብምግልጽ፡ ከምዝኮነኖ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።