ብውልቀመላኺ ኢሰያስ እንዳተመርሐ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም ክወድቁ ጌሩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራቱ ኣቢሉ፡ ውልቀመላኺ ሙሴቪኒ ንዝወሰዶ ኢንተርነት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከድንቅ ምፍታኑ፡ ትዕዝብቲ ከምዝፈጠረ ተገሊጹ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ስምዒቱ ዝገልጸሉ ነጻ ናይ ናጽነት መድረክ ክረክብ የብሉን ብምባል፡ ኢንተርነት ዓጽዩ ህዝቢ ኣብ ምጽንጻን ዝውዕል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢንተርነት ብምዕጻው 75% ድምጺ ምርካቡ ንዝኣወጀ ውልቀመላኺ ሙሲቪኒ ብምውዳስ፡ ንዝወሰዶ ኢንተርነት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብምንኣድ፡ ናይ ደገ ምትእትታዉ ንምግታእ ዝተገብረ ተባዕ ስጉምቲ ክብሎ ምፍታኑ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ለውጢ ዝጽየን ስርዓት ምኳኑ ዘረጋግጽ’ዩ።
40 ዓመታት ስልጣን ሃገር ጨውዩ ዝርከብ ውልቀመላኪ ሙሴቪኒ፡ ኣብ ናይ 2026 ስማዊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ኢንተርነት ብምዕጻው፡ ዜጋታት ብምእሳር ብምቅታል፡ ከሙኡ ከኣ ናይ ባዮሜትሪክ ዓሸራ ብምትላል፡ 75% ድምጺ ምርካቡ ዛኣወጀ ኮይኑ፡ ብዘይ ምርጫን ናጽነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን 35 ዓመታት በጺሑ ዝርከብ ህግደፍ፡ ዓለም ንዝኮነኖ ሙሴቪኒ ከድንቅ ምፍታኑ፡ ንምስሊ እቲ ጉጅለ ዘጉልሕ ዓቢ ስእሊ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ዝኮና ትካላት፡ ሙሴቪኒ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ስርቂ ድምጺ ንምፍጣርን፡ ተቓውሞ ብብረት ንምህዳእን ዝተገብረ፡ ስልታዊ ናይ ውልቀመለኽቲ ምክንያት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ኩነነ ምቅራበን ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሞጎታዊ ዘይኮነ ምኽንያታት ኣቀሚጡ ንውሳነ ውልቀመላኪ ሙሴቪኒ ከድንቅ ምፍታኑ፡ ባህሪ ውልቀመለክቲ ዘራጉድ ኣብነት ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ኪንዮ ምዝራብን ምጽሓፍን፡ ሓሲብካ ብምባል ውን ዜጋታት ኣብ ምሕቃቅ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም ኩሎም ውልቀመለኽቲ ዓለም፡ ብኹቱር ፍርሒ ዝሳቀን፡ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ጭካነ ዝፍጽምን ጉጅለ ምኳኑ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኮይኑ፡ ሙሴቪኒ ኢንተርነት ብምዕጻውን፡ ድምጺ ብምስራቅን ንዘረጋገጾ ዓወት፡ ከም ሓደ ናይ ልቦናን ጥንቃቐን ውጺት ጌሩ ንረብሑኡ ከውዕሎ ምፍታኑ፡ ዝያዳ ነቶም ዝድግፍዎን ጥፋኣት ንክፍጽም ዘተባብዕዎን ተበለጽቲ ዜጋታት ዓቢ ስእሊ ዝህብ ትርጉም ከምዘለዎ”ዩ ዝእመን።