ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ፡ ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ከም ዝተቐተሉ ተኣሚኑ።
ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ብቀዳም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰልፈኛታት ብኢ-ሰብኣውን ኣረሜናዊ ኣገባብን ከምዝተቐተሉ ብምጥቃስ፡ ጠንቂ እቲ ቅትለት ኣመሪካ’ያ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡
ትራምፕን ምምሕዳሩን ኣብ ጉዳይ ኢራን ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ናይ ምእታው ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ሂወት ክሳራ የብጽሕ ምህላዉ”ይህ ዝግለጽ።
ሓድሽ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ዝጅመር ንንየው ጥራሕ፡ 3090 ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጽሮም ዜጋታት ውን፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም፡ ንኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ‘ሁማን ራይትስ ኣክቲቪስት ኒውስ’ ዝተሰመየ ኤጀንሲ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዝተከስተ ሓደጋ፡ ብቃላት ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ይክሰት ምህላአኡ”ዩ ዝገልጽ።
ገለ ገለ ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላት፡ ተጠቂሱ ዘሎ ቁጽሪ ግዳያት፡ ካብ ዝተባህሎ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ ኮይኖም፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት እታ ሃገር ተቋሪጹ ምስ ምህላዉ ግን፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ገይርዎ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢራናውያን ሰልፈኛታት ተቓውመኦም ክቅጽሉ ጻውዒት ምቅራቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ሲቪል ዜጋ ክቀትሉ እንተጀሚሮም ግን፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምእትገብር’ያ ዝብል ቃላት ምጥቃሙ፡ እቲ ተቓውሞ ክንህርን፡ ንብዙሓት ዜጋታት ግዳይ ክገብርምን ምጅማሩ”ዩ፡ መራሒ ኢራን ዝከስስ።
ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ኣብ ናይ ቀዳም መደረኡ፡ ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ርክብ ዘለዎም ኢራናውያን፡ ዓቢ ዕንወትን ክወርድ ብምግባር፡ ኣሽሓት ሰባት ንኽቕተሉ’ውን ምኽንያት ኰይኖም ምህላዎም ዝከሰሰ ኮይኑ፡ በቲ ዝወርድ ዘሎ ሰባኣዊ ዕንወት ምምሕዳር ትራምፕ ተሓታቲ’ዩ ክብል ምግላጹ’ዩ፡ እቲ ብመንገዲ ሃገራዊት መደበር ተለቪዥን ኢራን ዝተፈነወ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢራን ዘውረዶ ዕንወትን ጸለመን፡ ከም ገበነኛ ኢና ንቖጽሮ ዝበለ እቲ መራሒ፡ ቃላት ዶናድል ትራምፕ ሓደገኛ ውጺኢት ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣሜሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ኢራን ውን ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ንምሃብ ድልውቲ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ብሰንኪ ምንቁልቋል ቁጠባ ኢራን ኣብ 28 ታሕሳስ ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ብርቱዕ ነድሪ ፈጢሩ ስልጣን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣነቓኒቁ ምህላው ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርነት እታ ሃገር ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ’ዩ ተቋሪጹ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።