ኣመሪካዊ ጸሓፊ ዶ/ር ማይክል ሩቢን፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንኤርትራን ህዝባን ረሚሱ ዝርከብን፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ክብል ጻውዒት ኣቅሪቡ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ዜጋታት ኤርትራ ከቢድ ግህሰት ይፍጽም ምህላዉን፡ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ውን ጨውዩ ምህላዉን ኣብ ጽሑፉ ዝጠቀሰ ዶ/ር ማይክል ሩቢን፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ጸረ ኣመሪካ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀመለኽቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብምንኣድ’ዩ ኣብ ልዕሊ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕ።
ትራምፕ ነቲ ኣብ ቬንዝዌላ ብምኳን ዝፍክር ዝነበረ ፕረዚደንት ማድሮ ኣብ ምእሳር ዝወሰዶ ስጉምትን፡ ኣብ ልዕሊ ን ኢራን ረሚሱ ዝርከብ መንግስቲ ኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብን ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ንውሳነ እቲ ፕረዚደንት ከምዝድግፍ ዝገለጸ ዶ/ር ማይክል ሩቢን፡ ኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ በይኑ ክኸይድ የብሉን ብምባል፡ ኢሰያስ ውን ኣካል ናይቲ ውልቀመለኽቲ ንምጽልጻል ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ክኸውን ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ወተሃደራዊት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን ኣመሪካ፡ ናብ ማእከላይ ምብራቅ እተግብሮ ጉዕዞ ንኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ተጸጊዕካ ዝግበር ጉዕዞ ምኳኑ ዝጠቀሰ ዶ/ር ማይክል ሩቢን፡ ትራምፕ ናብ ኢራን ቅድሚ ምሕሳቡ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ብምኳን ደረት ኣልቦ ግፍዕታት ኣብ ምውራድ ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ውን ክሓንቆ ከምዝግባእ’ዩ ዝጠቅስ።
ዶ/ር ማይክል ሩቢን ኣብ መግለጺኡ፡ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣመሪካ ዝፈጸሞ ናይ ጭውያ ተግባራት፡ ካብ ዜጋታት ኣመሪካ ኣገዲዱ ዝምዝምዞ ናይ 2% ገንዘብን፡ 2% ንዘይከፍሉ ዜጋታት ዝወርዶም ኣደራዕ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝፈጸሞ ወራርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጻወቶ ዘሎ ኣዕናዊ ተራን ከም እኹል ምክንያት ብምቅማጥ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ስጉምቲ ክውሰዶ ዝጠልብ እኳ እንተኮነ፡ ኤርትራ ብምእላይ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ጥራሕ ዝፍታሕ ሽግር ከምዘይብላ ኣብ ምርዳእ ግን፡ ብዙሕ ክንሰርሕ ከምዝግባእ’ዩ ቃላት እቲ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ዘረድእ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝሰርሖ ናይ ገበን መንገድታት ክሳብ ዘይተበትከ፡ ምእላይ ሓደ ሰብ ንበይኑ፡ ኣብ ዳግመ ህንጸት ኤርትራ ዝህልዎ ኣበርክቶ ብቁዕ ዘይምኳኑ ዝእመን ኮይኑ፡ ብውልቀመላኺ ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ዝተሰርሐ ናይ ገበን መንገድን ተበቲኹ፡ ምሉእ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝረጋገጽን፡ ስጋኣት ዓለም ኣብ ምቅንጣጥን፡ ኣማራጺ ምኳንና ኣብ ምእማንን ከቢድ ጻዕሪ ኣብ ዝሓትት መድረክ ምህላውና ተረዲእና፡ ብዙሕ ክንሰርሕ’ዩ
ቃላት ዶ/ር ማይክል ሩቢን ዘተሓሳስብ።