ሓይልታት ጸረ ሽበራ ፑንትላንድ፡ ኣባላት ሽበራዊ ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕሽ ብምኳን ኣብ ምንቅስቃስ ዝጸንሑ 26 ኢትዮጵያውያን ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
ስርሒት ጸረ-ሽበራ ፑንትላንድ፡ “ኢትዮጵያውያን” ኢሉ ብሽምን ስእሎምን ንዝጠቐሶም 26 ኣባላት ዳዕሽ፡ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጠቅዐ ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ዳዕሽ ምዃኖም ዝተገልጹ ውልቀሰባት፡ ኣብ ኣኽራናዊ ከባቢ ኣልሚስካት ድሕሪ ዝተገብረ ውግእ ከም ዝተታሕዙ’ዩ፡ እቲ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ዝወጸ ሓበሬታ ዘረድእ።
ሓይልታት ፑንትላንድን ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕሽን፡ ኣብ ከባቢ ኣክራናት ኣልሚስካት ንኣስታት ሓደ ዓመት ክዋግኡ ከም ዝጸንሑን፡ ዳዕሽ ውን ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ ዕርድታት ሒዙ ከም ዘሎን ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ እቲ ስርሒት ኣካል ናይቲ ብሓገዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ዳዕሽ ዝካየድ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኑ’ዩም ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ዝሕብሩ።
ስርሒት ጸረ-ሽበራ ፑንትላንድ ኣብ መግለጺኡ፡ ተባዓት ሓይልታት ፑንትላንድ ብሓገዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ተሰንዮም፡ ኣብ ኣል-መስካት ንዝርከብ ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕሽ ከምዝደምሰሱን፡ እቲ ስርሒት ውን ኣብ መወዳእታ ከምዝበጽሐን፡ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ስእሊ 53 ምሩኻት ዳዕሽ ዝኮኑ ውልቀሰባት ኣብ ዝጠቀሰ ሓበሬቱኡ፡ 26 ኢትዮጵያውያን ምህላዎም’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብዘይካ ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ሞሮካ፡ ሶርያን ታንዛንያን ምዃኖም ዝተረጋገጹ ኣባላት ዳዕሽ፡ ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ዘስፈረ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ንኢትዮጵያ ስዒቦም ዜጋታት የመንን ሞሮኮን ውን ዝዓበየ ቁጽሪ ከምዝሽፍኑ”ዩ ዝገልጽ
ሓሙሽተ ታንዛንያውያን፡ ክልተ ቱርካውያንን፡ ክልተ ስዑዳውያንን፡ ሓደ ዜጋ ሶርያን, ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝሓበረት ፑንትላንድ፡ ካብ ርሑቅ ይኩን ካብ ቀረባ፡ ካበይ መጺኦም ብዘየገድስ፡ ኵሎም ሓደ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ዝኽተሉን፡ ጸረ ሶማል ዝንቀሳቀሱ ምኳኖምን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
መንነትን ዜግነትን እቶም ዝተትሓዙ ውልቀሰባት፡ ብሰለስተ ምኽንያታት ወግዓዊ ከም ዝተገብረ ዝቀለጸ ሓደ ሚኒስተር ፑንትላንድ፡ ብህዝቢ ፑንትላንድን ሶማልያን ዝተረኽበ ዓወት ንምሕባርን፡ ህዝቢ ፑንትላንድ ሶማል ዝተማረኹ ጸላእቱ ንምፍላጥን ዝብል ዕላማ ብቀንዱ፡ እቲ ውሳነ ንክውሰድ ድርኺት ምፍጣሩ’ዩ ዝገልጽ።
ዜጋተተን ካብ ዝተማረኹ ሃገራት፡ እተን ሰለስተ ጥራይ ብመሬት ወይ ባሕሪ ምስ ሶማል ከምዝዳወባ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ወግዓዊ ሓበሬታ፡ ዜጋታተን ዝተኣስሩወን ሃገራት ኣብ ሶማል ዝፈጥሮኦ ዘለዋ ጸገማት ንምርዳእ ክሕግዝ ምኳኑ ውን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።