ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ዛኣተወ ተመራማርን፡ ክኢላ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ፖለቲካን ዝኮነ ምሁር፡ ኲናት እንተተወሊዑ፡ ዘይተዳለወት ኤርትራ ክትህሰ’ያ ክብል ዝጸሓፎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንጉጅለ ህግደፍ ኣቆጢዑ።
ምኩርን ኪኢላን ተንታኒ ፖለቲካን ምኳኑ ዝንገረሉ ዊሊያም ነዚ ዝገለጸ፡ ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ምብጻሕ ዛዚሙ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ዘውጽኦ ንትዕዝብቱ ዝገልጽ ትንተና ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ኩለመዳያዊ ምልኪ ዘላ ኤርትራ፡ እቲ ኲናት እንተተወሊዑ ድልዉቲ ዘይምህላዋ ምግላጹ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ብከቢድ ኣቘጢዑ ምህላዉ’ዩ እቲ ካብ’ቲ ጉጅለ ዝተዋህበ ግብረመልሲ ዘረድእ።
ዶ/ር ዊልያም ጎርላይ፡ ንናይ ኤርትራ ዑደቱ ኣመልኪቱ ዘስፈሮ ሓፈሻዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ደበና ኲናት ዘተኰረ ኮይኑ፡ ንህሉው ኵነታት ኤርትራን ሓድሽ ኲናት ኣብታ ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋን ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ዳህሳሳዊ ትሕዝቶ ግን፡ ኤርትራ ኲናት ንምምካት ዘኽእል ድሉውነት ከምዘይብላ ምግላጹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዓቅሚ ልዕልና ንምውሳድ ክሃልክ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢርሉ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2025 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዊልያም ጎርላይ ኣብ ጽሑፉ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጂኦፖለቲካዊ ረስኒ ይዓርግ ምህላዉን፡ ወደብ ዓሰብ ይግባኣኒ’ዩ ትብል ዘላ ኢትዮጵያ ውን፡ ነታ ደቃቕ ጐረቤታ ኤርትራ ተፈራርሓ ምህላዋን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ከም ትዕዝብተይ ነበርቲ ኣስመራ፡ ብዛዕባ’ቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ እኹል ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ኣረጋጊጸ’የ ድሕሪ ምባሉ፡ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ርእይቶ ንምሃብ ውን ናጽነት ከምዘይብሉ ምጥቃሱ”ዩ ንጉጅለ ህግደፍ ኣቅሒሩ ዝርከብ።
ኣብ ጎደናታት ናይታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝበጻሕኩዋ ኣስመራ፡ ካብ ህዝቢ እትረኽቦ ግብረመልሲ የለን፡ ሚድያ ኣብ’ቲ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻር መንግስቲ ዝኣተወ’ዩ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ዝፈልጡ ኣዝማሪኖታት ውን ውሑዳት’ዮም ዝበለ ኣውስትራልያዊ ዊልያም፡ ኤርትራውያን ዋላ’ኳ ምቅሉላትን ተቐበልቲ ጋሻን እንተኮኑ፡ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጨቋኒ ምሕደራ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝርከቡ ብምኳኖም፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ክዛረቡ ዝደፍሩ ውሑዳት’ዮም ድሕሪ ምባሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግብ ዝበለ ናይ ጭቆና ሂወት ይነብር ምህላዉ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ደሞክራስያዊን ቍጠባዊን ለውጢ ከምጽኡ’ዮም ተባሂሎም፡ ብኣመሪካዊ ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ዝተናእዱ መራሕቲ ምንባሩ ዝጠቀሰ እቲ ጽሑፍ፡ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ 1998 ድሕሪ ምውልዑ፡ ዝብድህዎ መራሕቲን ተቓወምቲን፡ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ብምእሳር፡ ናብ ፍጹም ምልኪ ከም ዘምርሐን፡ ኤርትራ ኣብ ሕሱም ምልካዊ ምሕደራን ምህላዋ ብምጥቃስ’ዩ፡ ንምስሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣቃሊዑ ዝርከብ።
‘ዘ ኮንቨርዘሽን’ ኣብ ዝተባህለ ነጻ ማዕከን ዜና ዝወጸ ትንታነ ዶክተር ዊልያም ኣስዒቡ፡
ውልቀመላኺ ኢሳያስ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካ፡ ኣብ ኤርትራ ክተክል ልዑል ተስፋ ምንባሩ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቲ ንጉጅለ ህግደፍ ዝመርሕ ዘሎ ውልቀመላኺ፡ ንግዱድ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ማእከል ስርዓተ ቁጽጽር ብምትካል፡ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንጪ ፍልሰት ስደት ኤርትራውያን ክኸውን ምግባሩን፡ ንበጻሒ ንጹር ስእሊ ዝህብ ምልካዊ ስርዓት ኣብታ ሃገር ምህላውን ብምጥቃስ’ዩ ንጉጅለ ህግደፍ ዝገልጾ።
ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወተሃደራዊ ድልውነትን ‘ሃገራዊ ሓድነትን’ ኣድላዪ ምዃኑ፡ ካብ ቃላት ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ኣረጋጊጸ’የ ዝበለ ዝበለ እቲ ተንታኒ፡ ዋላ’ኳ ንጥምረት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃላሩ እንተመስከረ፡ ኤርትራ ግን በዚ ዘላቶ ደረጃ ውድቀት፡ ሓድሽ ኲናት ክትጻወር ከምዘይትኽእል ምእማቱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ግዱድ ግብረመልሲ ክህብ ከምዝገደዶ’ዩ ዝእመን።
እቲ ኲናት እንደገና እንተተወሊዑ፡ ውጽኢቱ እንታይ ከምዝኸውን ከምዝኽእል ንጹር ኣይኰነን ዝበለ ዶክተር ዊልያም፡ ይኹን እምበር ኤርትራ ግብረመልሲ ንምሃብ ብዝግባእ ስለዘይተቀረበት፡ ህዝባ ደጊሙ ክሳቐ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዋሪዱ ኣብ ዕዉር ፈኸራ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከይደንጎየ ዘለፋ ዝሓወሰ ግብረመልሲ ምሃቡ፡ ቃላት እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ብዙሕ ሓቅታት ኣግሂዱ ምህላዉ ክትርዳእ ዝገብር’ዩ።