ብጉዳይ ግርንላንድ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምፍጣጥ ዝቀነየ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ምሸት ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ኣብ ዳቦስ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብጉዳይ መጻኢ ግሪንላንድ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ።
ዘተ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ኔቶ ማርክ ሩተን እንታይ ከምዝነበረን፡ ኣበየናይ ጉዳያይ ዝተሰማምዑን ዛጊት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ከምዝሕብርዎ ግን፡ ኣመሪካውያን ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ሃገረ ዴንማርክ ዝዀነት ዴሰት ግሪንላንድ፡ ብሞግዚትነት ከመሓድርዋ ከም ዘይተሰማምዑ’ዩ ዝሕበር።
ድሕሪ እቲ ዝርርብ መራሒ ኔቶ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉዳይ ግሪንላንድ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝገበርክዎ ዝርርባት ኣይተላዕለን ዝበለ ኮይኑ፡ ትራምፕ ምስ ሓላፊ ኔቶ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዕደና ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ምትሕብባር ክህሉ ከም ዝኽእል’ዩ ኣመልኪቱ ዝርከብ።
ወሃቢት ቃል ኔቶ ኣሊሰን ሃርት ብወገና፡ ኣብ መንጎ ዴንማርክ፡ ግሪንላንድን ኣመሪካን ዝካየድ ዘተ፡ ሩስያን ቻይናን ብቝጠባ ይዅን ብወተሃደራዊ መዳይ፡ ኣብ ግሪንላንድ እግረን ከየምብራ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምንባሩ ዝገለጸት ኮይና፡ ኣመሪካውያን ግሪንላንድ ንምምሕዳር ዘኽእል ዕድል ክወሃቦም ምኳኑ”ያ ትእምት።
ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት መደረ ዝሃበ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መደሩኡ ብዙሕ ነጥብታት ዘልዓለ ኮይኑ፡
ቀዳማይ
ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ግሪንላንድ ንምርካብ፡ ብቕልጡፍ ዘተ ክግበርን፡ ኣመሪካ በይና ነታ በረዳዊት በረድ ከተውሕሳን ክትሕልዋን።
ካልኣይ
ኣመሪካ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘይኮነትን፡ ብዘይዝኮነ ጎንጺ ጉዳይ ኣገዳስነት ግሪንላንድ ከምእተረጋግጾን።
ሳልሳይ
ምጉባጥ ግሪንላንድ፡ ንወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ይሃሲ’ዩ ንዝብል ምጉት ብምንጻግ፡ ብዙሕ ሂብና ውሑድ ኢና ንረክብ ብምባል፡ ኣመሪካ ካብ ኔቶ ትርብሖ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ።
ራብዓይ
ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ “ቁጠባዊ ተኣምር” ትጓናጸፍ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ዝቕባበ ከምዝጎደለን፡ ዝኾነት ሃገር ዘይራኣየቶ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘመዝገበትን ብምጥቃስ፡ ሃገሩ ኣመዝጊባቶ ዘላ ቁጠባዊ ዓወት ብኸፊሉ፡ ቀረጽ ብምውሳኹ ዝተዋሕሰ ምዃኑ ብምእማት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም ዘንበሮ መጠን ቀረጽ፡ ንዘውረድኦ ዕንወት ንምኽሓስ” ዝተወስደ ምኳኑ’ዩ ዝምጉት።
ብጉዳይ ግሪንላንድ፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ክወድቃ ጌርወን ዝጸንሐ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ጎነጻዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይኮነ ምግላጹ፡ ናይ ዳቦስ መደረ ትራምፕ፡ ነቲ ከቢድ ወጥሪ ሰፊንዎ ዝጸንሐ ፖለቲካ ዓለም መጠናዊ ዕረፍቲ ኮይኑ ምህላዊ’ዩ ዝእመን።