ምሁርን ተመራማሪ ታሪክን ዶክተር ዊልያም ድሕሪ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኣዝዩ ዝነደረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ናይ ቁጠዐ ግብረመልሲ ሂቡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መግለጺኡ፡ ንቃላት እቲ ምሁር ኣውስትራልያዊ፡ ኣካዳምያዊ ትንተና ንምጥሓስ ልኣላውነት ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ንቃላት እቲ በጻሒ ዜጋ ከምዝነጸጎ’ዩ ዝገልጽ።
ብዕለት 15 ጥሪ 2026 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ዘ ኮንቨርሰሽን’ ዝተዘርገሐ፡ ዘይሚዛናዊ ፖለቲካዊ ዝንባለ ዘለዎ ኣዳናጋሪ ጽሑፍ፡ ብትሪ ይነጽግ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ጽሑፍ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ኲናት ንምጥንቃቕ ዝዓለመ እኳ እንተመሰለ፡ ብዘገርም ምኽንያት ግን፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እንተስ ብፍቱው ወይስ ብሓይሊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ልኡላዊት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ንምትግባር፡ ንዘቕርቦ ዘሎ ክለሳ መጥቃዕታዊ ዘረባ፡ ንቡር ንምምሳል ዝዓለም ምኳኑ ብምግላጽ’ዩ ኮኒንዎ ዝርከብ።
እቲ ጽሑፍ ብመሰረቱ ንሓላፍነትን ሕጋዊ ንጹርነትን ዘዳኽም፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብኣድልዎ ኣብ ልምዲ ከም ዝውዕል ዝገብርን’ዩ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራ እናምረረ ንግሉጽ ዘይሕጋዊ ናይ ዋንነት ጠለባት ኢትዮጵያ ግን፡ ብላዕሊ ከምዝሓልፎ ብምጥቃስ’ዩ ንጹግ ምኳኑ ዘብርህ።
ኣብ ቃላት እቲ ምሁር ኣውስትራልያዊ፡ ቀያዲ ስርዓት መግዛእታዊ ዶባት ኣፍሪቃ ብግልጺ ኣይተጠቕሰን ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኣንጻሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝምንጩ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስግኣታት፡ ነዚ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ክሸክል ዝክእል ሳዕቤናት ዘለዎ ክነሱ፡ ኣቅልል ኣቢሉ ከቅርቦ’ዩ ዝፍትን ብምባል ንመግለጺ እቲ ምሁር ጽሓፊ ምንጻጉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነቲ ምስ ዕጡቃት ሓይልታት ብምኳን ኢትዮጵያ ንምህዋክ ዝገብሮ ዘሎ ተግባራቱ ግን፡ ክጠቅሶ ኣይተሰምዐን።
ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንቡር ናይ ባሕሪ መእተዊ ከልኪላታ ዝብል ትንተና እውን፡ ብተመሳሳሊ ጌጋ እዩ ዝበለ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ ብሕጋዊ ክልተኣዊ ስምምዕ ዝካየድ ንግዳዊ ስምምዕ ተጠቃምነት፡ ኣብ ታሪክ ን ኢትዮጵያ ከልኪላታ ከምዘይትፈልጥ ብምጥቃስ፡ ሉኡላውነት ዘኽበረ ንግዳዊ ተጠቃምነት፡ ናይ ይብጻሓኒ’ዩ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን በበይኑ ምኳኑ ከብርህ እኳ እንተፈተነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብምእታው ዝፈጥሮ ጸገማት ግን ከም ወትሩ ክኣምነሉ ኣይስማዕን።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ተወሪርካ ንምስራጽ ዝሃልክ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ወራር ንምፍጻም ኣብ ተዳሎ ምህላዋን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ምህላዉን ክጠርዕ ተደጋጋሚ ግዜ ዝስማዕ እኳ እንተኮነ፡ እቲ ጉጅለ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ጥሒሱ ንዝገብሮ ዘይወግዓዊ ናይ ወራር ተግባራቱ ግን ከም ገበን ጠሚትዎ ኣይፈልጥን።