ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣትሒዛ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ምዃና ኣብ ምግላጽ ዝጸንሐት ኣመሪካ፡ ኣብ’ቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ዝጸንሓ ኣባልነታ ብወግዒ ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ።
ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ስልጣኑ ካብ ዝገበሮም ውሳነታት ሓደ፡ ምስሓብ ኣባልነት ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምኳኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ኣባልነታ ካብቲ ውድብ ምስሓባ’ዩ ሓበሬታ ሮይተርስ ዝገልጽ።
ሮይተርስ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣመሪካ ድሕሪ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ሃገራዊ ሰንደቕ እታ ሃገር ኣብ ጀነቫ – ስዊዘርላንድ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብወግዒ ከምዝወረደ ዝገለጸ ኮይኑ፡
ክፍልታት ጉዳያት ጥዕናን ወጻእን ኣመሪካ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ውን፡ እታ ሃገር ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ሕጂ ዝህልዋ ዝምድና ዝተወሰነን መስርሕ ምውጻእ ንምዝዛም ኣብ ዘድሊ ጉዳያት ዘድሃበ ጥራይ ምዃኑን’ዩ ኣነጺሩ ዝርከብ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ትካል ከም ተዓዛቢ ክንሳተፍ ወይ ዳግማይ ክንጽንበር ዝዀነ ይኩን መደብ የብልናን ዝበለ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ወጻኢ፡ ኣብ ምቍጽጻር ሕማማትን ካልኦት ቀዳምነታት ህዝባዊ ጥዕናን፡ ብቀጥታ ምስ ዝምልከተን ሃገራት ክትሰርሕ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝገልጽ።
ኣመሪካ ካብ’ቲ ብዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምራሕን፡ ልዕሊ 190 ሃገራት ዝኣባላቱን ውድብ ክትስሕብ ምውሳና፡ ኣብ ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ንጥፈታት ጥዕና፡ ብኸቢድ ክሃስዮ ምኳኑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ዝበዝሕ ካዝና እቶት እቲ ትካል ብደገፍ ኣመሪካ ዝድገፍ ብምንባሩ ግን፡ መጻኢ እቲ ትካል ብዓቢኡ ኣብ ሓደጋ ምውዳቁ’ዩ ዝእመን።
ዶናድል ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዕድመ ስልጣኑ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክስሕብ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ትጽቢት ዝተገብረሉ ነገራት ክማላእ ከምዘይከኣለ ብምጥቃስ፡ ኣባልነት ኣመሪካ ንምስሓብ እኳ እንተወሰነ፡ ጆ ባይደን ስልጣን ዋይትሃውስ ድሕሪ ምሓዙ ግን፡ እቲ ጉዳይ ደስኪሉ ምጽንሑ”ዩ ዝንገር።
ኣመሪካ ምስ ምምጻእ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ሓያሎ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ትካላት፡ ክትወጽእ ወሲና ምህላዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ቦርድ ሰላም ብምባል ዘተኣታትዎ ዘሎ ውዳበ፡ ንተራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የዳኽም ኣሎ ተባሂሉ ብርክት ዝበለ ነቀፌታ ክወርዶ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።