ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳከፈአ ይመጽእ ምህላዉን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ቅቡልነት ዘይብሉ በደል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ይፍጽም ከምዘሎን፡ ካብ ካይሮ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብጉዳይ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ጉዳይ ፈለግ ኒልን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክቱር ፍቅሪ ዝርከብ መንግስቲ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዚ ዝበሃል ምኽንያይ ዘይብሉ፡ ግፍዕን በደላትን ኣብ ምፍጻም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣነጻጺሩ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ግፋን ምጥራዝን መስርሓት፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ወላ ውን ናብ ደቂ ተብዓትዮ ብምንጽጻር፡ ክትገልጾ ዝኸብድ ገበናት ይፍጸም ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ግብጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክገብሮ ኣብ ዝጸንሐ ናይ ግፋ መስርሓት፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛ ወረቀት ንዘለዎም ስደተኛታት ክሓትት ከምዘይጸንሐ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዝግበር ዘሎ ኣልማማ ግፋን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ግን፡ ንምሉእ ህዝቢ ሓበሻ ዕላማ ዝገበረ ምኳኑ፡ ክነብሩ ከምዘይከኣሉን፡ ናብ ኤርትራ ንከይጥረዙ ኣብ ከቢድ ስቅያት ምህላዎምን’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
መንግስቲ ግብጺ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ካይሮ ኤምባሲ ከፊቱ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ይፍጽሞ ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅል ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ናይ ምግፋዕን ምጥራዝን መስርሕ፡ ዝኮነ ይኹን ሓላፍነት ዝወስድ ብዘይምኳኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኑ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ልዕኪ መንግስቲ ግብጺ ጸቅጢ ከብጽሕ ከምዝግባእ”ዮም ኣብ ሓበሬትኦም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ መንግስቲ ግብጺ ንዝተቐበሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቀጥታ ናብ ማእሰርትን ክፍሊ ተዓሊምን ይልእኮም ምህላዉን፡ ቀሊል ዘይበሃል ግፍዒ ይበጽሖም ምህላዉን፡ ኣብ ዝቐደመ ዜናዊ ሓበሬታና ጠቂስና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገብር ዘሎ ዘይምክንያታዊ ሃድን መንግስቲ ግብጺ፡ ንመጻኢ ዕድል እቶም ስደተኛታት ብኸቢድ ዝጸሉ ብምኳኑ ግን፡ ኩሉ ሓላፍነት ዝስምዖ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ተቓላሳይ ደላዪ ፍትሒ፡ በብዝክእሎ መንገዲ ድምጹ ከስምዕን፡ ንተግባራት መንግስቲ ግብጺ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቃልዕን ከምዝግባእ’ዮም፡ ኣብቲ ዝሰደዱልና ናይ ለበዋ ሓበሬታ ዝገልጹ።