ከም መቀጸልታ ናይቲ ንዝሓለፈ ሰልስተ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ዳባት ክፍጸም ዝጸንሐ ኢሰባኣዊ ተግባራት፡ ትማሊ ውን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ናይ ቅትለት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን፡ እቲ ንስክላ ካብ ሞት ዝደሓነ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ከቢድ ማህረምቲ ወሪድዎ ኣብ ሕክምና ይእለ ምህላዉን፡ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ካብቲ ቦታ ኣብዝለኣከልና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ግዳይ ናይቲ ኣረሜናዊ ተግባር ብምኳን፡ ካብ ሞት ንስክላ ዝተረፈ ኤርትራዊ፡ ገብረእየሱስ መጎስ (ሰርጌንቲ) ዝተባህለ ስደተኛ ነባሪ መዓስከር ኣለምዋጭ ኮይኑ፡ ናብ ገዙኡ ብዛኣተዉ ክልተ ብረት ዝተዓጥቁ ሸፋቱ፡ ብጥይት ተወቒዑ ኣብ ከቢድ ኩነታት ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
እቶም ናብ ገዙኡ ዛኣተዉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሸፋቱ፡ ኣንበርኪኾም ብረት ኣብ መንከሱ ብምጽጋዕ፡ ዘለዎ ገንዘብ ይኹን ንብረት ክህቦም ምሕታቶም ዝሓበረ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ዘለኒ የብለይን ምስ በሎም ብየማናይ ምዕጉርቱ ዝተኮስዋ ጥይት፡ ኣስናኑ ለኪማ ብየማናይ ምዑጉርቱ ምውጻኣን፡ ድሕሪ ምውዳቁ ሞይቱ ኢሎም ከምዝገደፍዎን”ዩ፡ ኣብ ሓበሬቱኡ ብዝርዝር ዝገልጽ።
እቶም ሸፋቱ ሞይቱ’ዩ ኢሎም ገዲፎሞ ድሕሪ ምኳዶም፡ ድምጺ ቶክሲ ዝሰምዐ ነባሪ እቲ መዓስከር ኣብ ከቢድ ኣዋያትን ሓዘንን ምውዓሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ትረፍ ዝበሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ሂወቱ ስለዘይሓለፈት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ጎንደር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሕክምና ይእለ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መዓስከር ዳባት ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰልስተ ዓመታት፡ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ካራን ብረትን መጥቃዕቲ ሸፋቱ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ስደተኛታት ክፍጸም ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ምንጪ ሓበሬታ፡ ሂወት ኣብቲ መዓስከር ናይ ዝርከቡ ኣስታት 7ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንከቢድ ሓደጋ ይቃላዕ ብምህላዉ፡ ዝኸፈአ ሓደጋ ከይወረደ ናብ ዝሓሸ ቦታ ዝግዕዝሉ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር፡ ኩሉ ሕልና ዝስምዖ ዜጋ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ክጠርዕ”ዩ ለበዉኡ ኣቅሪቡ ዝርከብ።