ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክርስቶፈር ላንዳውን፡ ኣዛዚ ‘ኣፍሪኮም’ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰንን፡ ብጉዳይ ሰላምን ጸጥታን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ምዃኖም፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።
እቲ ትማሊ ቀዳም 25 ጥሪ 2025 ዝፈለመ ዑደት፡ ንዝቅጽል ንሸሞንተ መዓልታት ከምዝጸንሕ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ምክትሉ ክርስቶፈር ላንዳው ብዘይካ ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ፡ ኬንያን ጅቡትን ውን ብመደብ ምስርዑ”ዩ ዝገልጽ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሪስቶፈር ላንዳው፡ ኣብ ናይ X ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ናብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ዝገበሮ መገሻ፡ ብውልቁ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ዑደቱ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘቐመጦም “ቀዳምነታት” ከፍልጥን፡ ምስተን ሃገራት ዝህልዎ ምትእስሳር ንምርግጋጽን ናብ ኣርባዕተ ሃገራት እዚ ዞባ ክገይሽ ምዃኑ ውን”ዩ ኣብቲ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈቱ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ተዘርዚሮም ዘለዉ ቀዳምነታት ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ሚዛን ንግዲ ምምዕርራይ፡ ምቹእ ናይ ንግዲ ሃዋህው ምፍጣርን፡ ህላወ ሰላምን ድሕንነትን ምድንፋዕን ኮይኑ፡ እቲ ምስ ምምሕዳር ዶናድል ትራምፕ ጽምዶ ንምግባር ናይ 3ተ ዓመታት ውጥን ዝሓንጸጸ ውልቀመላኺ ኢሰይስ ግን፡ ኣብዚ ዑደት እዚ ከምዘየካተተ”ዩ መግለጺ እቲ ቤትጽሕፈት ዘነጽር።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ክሪስቶፈር፡ ፈለማ ናብ ግብጺ ክገይሽ መደብ ምሓዙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቀጺሉ ኣብ ዝገብሮ ናይ ኢትዮጵያ ጅቡትን ኬንያን ዑደቱ ግን፡ ነታ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ ከምዘይበጽሓ”ዩ እቲ ውጥን መገሻ ዘነጽር።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ሩባ ኣባይ ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ክሽምግል፡ ድሌት ከምዘለዎ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፡ ክርስቶፈር ናብ ካይሮ ዑደት ዝገብር ምህላዉ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ትርጉም ከምዘለዎ ዝእመን ኮይኑ፡
ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝጸሓፎ ኣዘራራቢ ደብዳበ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ግድብ ምስ ግብጺ ምውጋኑ ከምዘረድእ”ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ትራምፕ ምስ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ዳቦስ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ቁጠባዊ መድረኽ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ”ዚ ጉዳይ ኣዕሊሎም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣመሪካ ባጀት ሰሊዓ ዝሰርሓቶ ኣባይ ግድብ፡ ኣብ ግብጺ ጽልዋ ክፈጥር ከምዘይግባእ ውን ኣቀዲሙ ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ምክትል ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሪስቶፈር፡ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ኣብ ዝህልዎ ርክብ፡ ንዞባዊ ብድሆታት ኣተኲሮ ሂቦም ክዘራረቡ ምዃኖም፡ ብመንገዲ ቤትጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ምሕያል ቁጠባዊ ዝምድና ኣመሪካን ግብጽን እውን፡ ኣካል ናይቲ ዘተ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ምክትል ዋና ጸሓፊ፡ በዚ መሰረት ታብታ ሃገር ምስ ዝንቀሳቐሱ ኣመሪካውያን ኣውፈርቲ ኩባንያታት ክራኸብ ምዃኑ’ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝሕብር።
ምክትል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሪስቶፈር ኣብ መግለጺኡ፡ ድሕሪ ናይ ግብጺ ዑደቱ ምስ ኣዛዚ ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ “ኣፍሪኮም” ጀነራል ዳግ ኣንደርሰን ብምኳን፡ ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዝ ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ካልኦት ሰበስልጣናት እታ ሃገር ክራኸብ ምዃኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዝቲ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሉኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ወነንቲ ብሕታውያን ኩባንያታት ምስ ዝኾኑ ኣውፈርቲ ብምርኻብ ውን፡ ንግዳዊ ርክባት ኣመሪካን ዕድላቱን ንምድንፋዕ ክሰርሕ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ቃለመሕተት ዘካየደ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ምስ ኣመሪካ ጽምዶ ንምክያድ ዝተገብረ ፈተነ፡ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምግባር ዝዕድም ባይታ የለን ብዝብል ጸለመ፡ ከምቲ ዝተሓስቦ ከምዘይሰጎመ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ንኤርትራ ዘይሓወሰ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ ይኹን ጽምዶን ዝምድናን ክገብር ፍቃደኛ ከምዘይኮነ ዘነጽር”ዩ።