መስርሕ ፍርዲ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ሰባት ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ብወሊድ ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም ሎሚ 27 ጥሪ ናይ መወዳእታ ውሳነ ፍርዲ ትዋሂቡ ኣሎ።
ወሊድ ብዝብል መለለዪኡ ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም፡ ኣብ ሊብያ ዓለምለኻዊ ዘይሕጋዊ መርበብ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብምዝርጋሕ፡ ሰባት ብምእሳር፡ ብምስቓይን ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻምን ክኽሰስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ንሱ ብዝመርሖ ጕጅለ ኣብ ሊብያ “በኒ ዋሊድ” ዝብሃል መዳጎኒ ስደተኛታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ወሊድን መሳርሕቱን ነቶም ካብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘስገርዎም ሰባት ኣብ’ዚ መዓስከር እዚ ዳጒኖም እናኣሳቐዩ ካብ ስድራኦም ኣሽሓት ዶላራት ከምዝቕበሉ’ዩ ዝግለጽ።
ቀንዲ ኣሳቓዪ ናይ’ዚ ናይ ጭውያ መርበብ ኮይኑ ምጽንሑ ዝግለጽ ተወልደ ጎይትኦም ወሊድ፡ መብዛሕቶኦም ኤርትራውያን ምኳኖም ዝንገረሎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት፡ ብዘይሓጋዊ ኣገባብ የዘዋወሩ ምንባሩ ዝኽሰስ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሆላንድ፡ ብመንገዲ ተወልደ ጐይትኦም ወሊድ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ንዝበጽሖም ግፍዒታት ምስ መስከሩ ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ጌሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቦኦም 191 ስደተኛታት፡ ብተወልደ ዝበጽሖም ግፍዒታት ምስክርነት ሂቦምሉ ምንባሮም’ዩ ዝፍለጥ።
እቲ ሎሚ ዝቀረበ መስርሕ ውሳነ ፍርዲ ተወልደ ጎይቶኦም ወሊድ ገበነኛ ኮይኑ ከምዝተረኽበን ን ዕስራ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ ከምዘሎን ቤት ፍርዲ ሆላንድ ከተማ ዝዎለ ኣብ ናይ ሎሚ መስርሕ ፍርዲ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ንኻሕሳ ዝምልከት ኣርእስቲ ግን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ‘ዪ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ ዝርከብ።
ተወልደ ጎይቶኦም ወሊድ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ምስ ዝተባህለ ኤርትራዊ መሳርሕቱ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ን18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሊብያ ብዝፈጸሞ ገበናት ግን፡ ኣብ ሓሙሽተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ብምርካቡ፡ ካብ ኢትዮጵያ ብጠለብ ኢንተርፖል ናብ ሆላንድ ከምዝተረከበ ዝፍለጥ’ዩ።
ምስ ተወልደ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ካብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ክሃድም ክኢሉ እኳ እንተነበረ፡ ብ1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ክሲ ቀሪብሉ ገበነኛ ኰይኑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ናብታ ክሲ መስሪታትሉ ዝነበረት ሆላንድ ተረኪቡ ኣብ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ንወሊድ ዝቐርበ ክስታት ንምርጓድ፡ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ክስታትን ምስማዕ መሰኻኸርን ካብ ጥሪ 2023 ጀሚሩ ክካየድ ምጽንሑ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ስኑዕ መንነት ወረቐት ብምሓዝን፡ ኣብ ልዕሊኡ ክምስክሩ ንዝፈተኑ ከፈራርሖም ዝፈተነን ወሊድ፡ ተወሳኺ ክሲ ተመስሪትሉ ምጽንሑ ዝግለጽ ኮይኑ
ሰነዳት IOM ኣብዚ እዋን ኣስታት 900 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለዉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ንግህሰት መሰላት ተቓሊዖም ምህላዎም ብምግላጽ፡ ወሊድን ንዑኡ ዝመስሉ ሰዓብቱን ንምህዳን ዝግበር ሕጋዊ መስርሕ ተበራቲዑ ክቅጽል’ዩ ደጋጊሙ ዝጽውዕ።
ወሊድ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዚያት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ካብኡ ድማ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ንዝንቀሳቀሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሰጋግር ጕጅለ፡ ቀንዲ መራሒ ምንባሩ ዝንገር ኮይኑ፡ ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጎኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከምዝድውሉ ብምግባር፡ ሰልዲ ከምዝኸፍሉ ክገብር ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።
ብወሊድን ሰዓብቱን ዝገብር ዝነበረ ግፍዕታት፡ ከም ምስቓይ፡ ምህራም፡ ምቅጻል፡ ዝመኸኸ ጎማ ኣብ ሕቆኦም ምንጣብ፡ ብተሪር ገመድ ኣብ ገረብ ጠልጠል ከምዝብሉ ምግባር፡ ኤለትሪክ ምትሓዝ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣሽሓት ብሓባር ኣሲርካ፡ ብዋሕዲ መግቢ ከምዝሳቀዩ ምግባርን ካልእን ከበድቲ ገበናት ይፍጸም ምንባሩ ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራሕ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣተዉን፡ ብድምር ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝኸፈሉን’ዮም ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካየዱ ጕጅለታት ዝሕብሩ።
ወሊድን ኪዳነን ኣብ’ቲ ኣብ ሊብያ ዝነበሩሉ እዋን ብዘይካ ኤርትራውያን፡ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ውን የሰጋግሩ ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ።