ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝተኸሰተ ብርቱዕ ማዕበላዊ ውርጪ፡ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣባይቲ ብዘይ መብራህቲ ከምዝተረፈ ተገሊጹ።
እዚ ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ ብዝፈጠሮ ኣሸጋሪ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጽርግያታትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ማእከላትን፡ ክዕጾ ተገዲዱ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበለ በረራታት ነፈርቲ ደው፡ ብሰንኪ”ዚ ባህሪያዊ ሓደጋ ደው ክብል ከምዝተገደደ”ዩ ዝንገር።
ካብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ክሳብ ኒው ኢንግላንድ ዘሎ ኵነታት፡ ንህይወት ሰባት ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ቀዝሒ ኣብ ልዊዝንያ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ቴክሳስ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ሓደ ሰብ ከምዝሞተ’ዮ። ሰብ መዚ ኩነታት ኣየር ዝገልጹ።
ክሳብ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራሕ፡ ኣብ ኣስታት 900 ሽሕ ኣባይቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝተቋረጸ፡ ንኣገልግሎት ኤለክትሪክ ዝቆጻጸር ትካል ኣውተጅ ዶት ዩኤስ ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝገለጸ ኮይኑ፡
ልዕሊ 11 ሽሕ በረራታት ብሰንኪ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ቀጽሕን ምምዝባል ኩነታት ኣየርን ከምዝተሰረዘ”ዩ፡ ፍላይት-ኣዌር ዝሕብር።
እዚ ንፋስን ማይን ዝሓወሰ ብርቱዕ ውርጪ፡ ንመዓልታት ክቕጽልን ንኣስታት 180 ሚልዮን ኣመሪካውያን ክጸሉን ከምዝኽእል ዝግለጽ ኮይኑ፡ ከምዘለዎ እንተቀጺሉ፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ኣመሪካ በቲ ሓደጋ ክጽሎ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ክኢላታት ኵነታት ኣየር እታ ሃገር ፡ እቲ ብርቱዕ ማዕበላዊ ውርጪ፡ ኣግራብ ከውድቕ፡ ጽርግያታት ዝዓጹን፡ መስመራት ኤሌክትሪክ ከዕኑ ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ምኳኑ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ህዝቢ ክቱር ጥንቃቀ ክገብር’ዮም ጻውዒት ዘቅርቡ።
ኣብ ቨርጂንያ ጥራይ ልዕሊ 200 መካይን ብሰንኪ እዚ ውርጪ ከምዝተጋጨዋን፡ ብዝወደቐ ገረብ ከምዝተጨፍለቓን፡ ማዕከናት ዜና እታ ክፍለ ግዝኣት ዝገለጻ ኮይነን፡ ብፍላይ ብዕድመ ዝደፉኡ ኣረጋውያን፡ ምስ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይወድቁ ምህላዎም’ዩ ዝንገር።